2016-03-10 16:34:00

ናይ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ናይ ካመሩን ኰንጐ ብራዛቪልን ጋቦንን ማእከላዊት ረፓብሊክ ኣፍሪቃን ጫድን ጊኒ ኤኳቶርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሃገራት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ብራዛቪል ድሕሪ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ኣብ መደባት ሕዝባዊ መረጻ ሰላም ውህደትን ምክብባርን ክዓስል ምስ ሕዝባዊ ምርጫ ተተሓሒዙ ዝተኣታተው ውጥረትን ምስሕሓብን ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡

ኣብ ማእከላይ ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ሰላም ዝዓሰሎ ምንብሩ ዘኪሮም ምስጋና ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር

ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ ነቲ ኣብ ማእከላይ ረፓብሊክ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ስዒቡ ዝተኣታትወ ግርጭት ኰነ ውጥረት ዘይምህላዉን ብሰላማዊ መገዲ ምዝዛሙን ዘርከቦ ውጽኢት ቅብሉ ዝብል ኩነት ክርአይ ካብ ዘኽኣለ ምኽንያት እቲ እዚዩ ዓቢይ ኣብታ ሃገር ቅዱስ ኣቦን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዘክይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደትን ዘስምዕዎ ምዕዳንን ቃልን ዘቕረብዎ ጻውዒት ሰላምን ምዃኑ ጠቒሶም ኣብ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቅድመ ምርጫን ድሕረ ምርጫን ሁከትን ግርጭት ከይተኣታተው ድማ ኣተሓሳሲቦም ናይ ማእከላይ ረፓብሊካዊት ኣፍሪቃ ኩነት ኣብ ካልኦት ናይ ኣፍሪቃ ከባቢ ማእከላይ ሃገራት ክረጋገጽ ሓደራ ቢሎም ብሓባር ናይቲ ከባቢ ሕዝብን መንግስትን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ክብድህ ብሓባር ይምከር ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ናይ ሰላምን ሓድነትን ምርግጋእን ጻውዒት

ኣብ ሃገራት ከባቢ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰላምን ሓድነትን ምርግጋእን ክህሉ ናይቲ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ናይተን ሃገራት ህዝባዊ ምርጫ ብስርዓትን ዴሞክራስን ሕግን ክምራሕን ማዕርነት ተሳትፎ ሕዝቢ ብዘውሕስ ባህልን ሕግን ክካይድን ስለዚህ ንናይ ሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ክትኰርን ኣተሓሳሲቦም፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክኽበርን ድላዩ ዝገልጸሉ ውሳኔ ድምጹ ክኽበርን ፍትሕን ሰላምን ክረጋገጽ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.