2016-03-10 16:28:00

ስለ እተን ኣብ የመን ዝተቕትላ ደናግልን ሱቕታ መራኸቢ ብዙሃንን


ቅዱስ ኣቦን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 6 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ሰማዕትነት ናይተን ደናግል ዘኪሮም ስሌአን ክንጽልይ ሓደራ ከምዝበሉ ኣቨኒረ ናይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጃንካርሎ ላ ቨላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ዘኪሮም። ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ግና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እተን ደናግል ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዜና ዘይምቕራበን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይምጋድስ ባህሊ ዝስዕቦ ዘሎ ኣሉታዊ ተግባር እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ቅድም ክብል ኣብ ልዕሊ እተን ደናግል ዝተፈጸመ መቕተልቲ ብዝምልከት መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ሓደ ቃል ሰይምስፋረን ዘሕፍር ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ላ ቨላ ዘኪሮም ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩርናዕ ዓለም ዝኽሰት ዓመጽን ዝባራዕ ውግእን ሸበራን ንፍቶ ንጽላእ ብቐጥታ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ሕይወት ዝትክፍ እዩ። እዚ ድማ እቲ ዝረአይ ዘሎ ክስተት ጸኣት ስደተይናታት ይምስክሮ። ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ንቀበሎም ኣይንቀበሎም ብዝብል ኣርእስቲ እናተፈላለኻ ናይ ክትዕ ባይታ ዘይኰነስ ነቲ ንስደት ዝድርኽ ምኽንያት ምፍታሕ እዩ እቲ ዘተ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚህ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኵነት ኣይትንክፈንን ምባል ብሓቂ ጌጋ ምዃኑ ገሊጾም።

ጸኣት ስደተይናታት ብዝምልከት ኣቨኒረ ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ዝሓለፈ እንተዘይወሓደ ካብ 15 ዓመታት ንላዕሊ እትሒዙ ብዙሕ ጸብጻባት እዩ ዘቕርብ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ነዚ ጉዳይ ኣብዚ እዋን’ዚ እዩ ከም ማእከል ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ዝዝትየሉ ዘሎ፡ እቲ ዘካይዶ ዘተ እውን እንተዀነ ዓቐን ሰብ ዘይብሉ እዩ። ስለዚህ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ትኵረት ክግበረሉ ዝግባእ ሰብኣዊ ኩነት እዩ እሞ ሸለል ክበሃል የብሉን ኢሎም።

እተን ደናግል ድኻታትን ዝተናዕቁን ክኣልያ ቢለን ናይቲ ሃገር ልኡካነ ወንጌል ዘይቅበል ባህልን ሕግን ኩሉ ጸይረን ከም ተራ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰራሕተይናታት ተባሂለን እናተሓስባ ኣብታ ሃገር ዘግልግላ ዝነበራ፡ ድኻታት ኣብ ምእላይ ኣተኵይረን ካልእ ኵሉ ጸይረን ዝነብራ እያተን።

ስለ ወንጌል ሙማት። ንክርስቲያን ዓቢይ ኣብነት እዩ። ሕልና ናይ ዝዀነ ይኹን ሃይማኖት ሰዓቢ ዘበራብር መስዋዕትነት እዩ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ትካል ኣይኰነትን ኰይኑ ግና ኣብ ድኻታትን ዝተናዕቁን ዝተነጸሉን ኣረጋውያንን ግዳም ሓደርን ዘሎ ክርስቶስ ብምስትውዓል ንምግልጋልን ፍጥረት ሰብ ሰብኣዊ ክኸውን ብዝተፈላለየ መገዲ ትሓንጽ። እተን ደናግል እውን ነዚ እየን ዝነብራ ዝነብራ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.