2016-03-04 16:01:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ ምእንቲ ስደተይናታት


ኣብ ፈረንሳ ናይ ሰበኻ ኣራስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ፖውል ዣገር፥ ወዲ ሰብ ንእትደልዮ ዕማም ንምፍጻም ከም ሓደ መካወኒ እትጥቀመሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እተንቀሳቕሶ ኣቕሓ ኣይኰነን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ኣብ መሬት ፈረንሳ ከባቢ ካለስ ዝርከብ ብብዝሒ ካብ ሶሪያን ኣፍጋኒስታንን ሱዳንን ዝመጹ ስደተይናታት ዝርከብሉ ጊዚያዊ መእለዪ ሰፈር መንግስቲ ፈረንሳ ንኽፈርስ ዝሃቦ ውሳኔ ምኽንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላፉ ናይታ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም’ዚ ምእንቲ ስደተይናታት ምጽላይ ከይዝንጋዕ

ብፁዕ ኣቡነ ዣገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም እነዕርጎ ጸሎት ነቶም ኣብ ቀረባና ዘለዉን ምእንቲ ኵሎም ስደተይናታን ተመዛበልትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝርስዕ እንተድኣ ኰይኑ ናይ ጸሎትን ናይ ዓቢይ ጾም ሓደ ዓቢይ ትርጉሙ ንስሕት ቢሎም እቲ ኣብ ፈረንሳ ከባቢ ካለስ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተይናታት ዝነብርዎ ዘለዉ ጽንኩር ኩነት ነቲ ሓዲጎምዎ ዝመጹ ኩነት ዘንጸባርቕ እዩ፡ እዚ ጽንኩር ኩነት’ዚ ዓለም ሓቆፍን ናይ ኤውሮጳን ብሔራውን መግስታት ንናይ ስደተይናታት ጸገም ብቑዕ መልሲ ንኽረክብ ብዙሕ ከምዘይዓዩን ብቕዓት እውን ዘይብሉን ምዃኑ የረጋግጽ ከምዝበሉ ናይ ሰበኻኦም መርበብ ሓበረታ ኣፍሊጡ።

መጻኢ ሰብኣውነት ብምኽባር ዝሓልፍ እዩ

ናይ ኣራስ ሰበካ ጳጳስ፥ እቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሰብኣውነቶም ንምዕቃብ ቢሎም ዝስደዱ እዮም ስለዚህ እቲ ዝቐርበሎም እንገዳ ሰብኣውነት ዘኽብርን ዓቐን ሰብኣውነት ዘለዎን ክኸውን ይግብኦ። ኣብታ ብእምነት ክርስቲያን ዝተሓንጸት ናይ ሰበኻኦም መንበር ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ እቶም ስደተይናታትን ብፍላይ ድማ ስለ ሕጻናትን ደቂንስቲዮን ስደተይናታት ከምዝጸለዩን ከምዝጽልዩን ክጽለይ እውን ከምዝገብሩ ብፁዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም። መጻኢ ሰብኣውነት ብምኽባር ዝሓልፍ እዩ፡ ተቐማጦ ካለስ ነቶም ስደተይናታትን ስቓዮምን ቀረባ ብምዃን ዘድልዮም ኩሉ እናቕረበ ዘርአዮ ሰብኣውነት ጠቒሶም ብምምስጋን። እዚ ተግባር’ዚ ናይ ብጻይካ ሰብኣውነት ንምዕቃብን ክኽበር ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ናይ ኣራስ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.