2016-03-04 16:06:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ


ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ዕለት 20 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ዝተዓወቱ ነበር መራሔ መንግስቲ ፋውስቲን ኣርቻነ ቶኣደኣ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት እቲ ምርጫ ብሰላማዊ መገዲ ንኽካይድ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊጾም ንቕዱስ ኣቦና ናይ ምስጋና ቃል ከምዘሓላለፉ እንክሕበር፡ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዲዮውዶነ ንዛፓላይንጋ ነቲ ናይ ርእሰ ብሔር ሓሳብ ኣቃሊሖም ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብሓቂ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢድ ግደ ኣለዎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሓድሽ ሃዋሁ

ድሕሪ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ይብሉ ብፁዕነቶም ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ለውጢ ሃዋሁ ይርአይ ከምዘሎን። ኣብታ ሃገር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ምስልምና ሃይማኖት መራሕትን ከምኡ እውን ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብታ ሃገር ሕድ ሕዳዊ ግርጭት ብሰላማዊ መገዲ መታን ክፍታሕ ንናይ ሓባር ዘተ እናተባብዑ እቲ ኣድማዪ ውግእ ንኽውገድ ብናይ ሓባር ጻውዒት ዘካይድዎ ጻዕሪ ዝነኣድ ምዃኑን እቲ ናይ ሓባር ዘተ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ዑደት ተሓዲሱ ከምዝቐጸለን እቶም ከም ጸላእቲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ሓይልታት ብምሕረትን ዕርቅን ብሓባር ሰላማዊት ሃገር ኣብ ምህናጽ ክተግሁ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ኣቡነ ንዛምፓላይንጋ ከምዝገለጹ ሓድሽ ተመራጺ ርእሰ ብሔር ቱኣደራ ረፓሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ዕርቅን ሰላምን ክመርሑ ዝኽእሉ ተባሂሎም ካብ ዝጥቀሱ ደቂ ሃገር ቀዳምነት ዘለዎም ከምዝዀኑን ኣብ ዕርቅን ሓድነትን ዓቢይ ኣስትዋጽኦ ናይ ምብርካት ብቕዓት ዘለዎም እዮም ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይ ረፓሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰላም

ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ብሔር ቱዋደራ ናይ ባንጋሱ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኾሰ ኣጊረሙኞ ይብሉ ናይ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰላም ንስግኣት ዘቃልዕ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ እደ ኣታውነት ዘለዎ ገዛእ ርእሱ ናይ ጐይታ ሰራዊት ቢሉ ዝሰመየ ተዋጋኢ ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.