2016-03-01 16:06:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፡ ናይ እግዚኣብሔር ምድሓን ካብ ክህነታዊ ወይ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣይኰነን


ናይ እግዝኣብሔር ምድሓን ካብ ዓበይቲ ነገራት ካብ ስልጣንን ካብ ሃብቲ ገንዘብን ካብ ክህነታውን ወይ ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣይኰነን እንታይደኣ ካብ ነኣሽቱን ተራን ነገራት እዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ዕለት 29 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞኰይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ምድሓን ኣምላኽ ካብ ናይ እግዚኣብሔ ነኣሽቱን ተራን ነገራት እምበር ካብ ሓያላን ስልጣናትን ዝመጽእ ኣይኰነን

ናይ ዕለቱ ካብ ካልኣይ መጽሓፈ ነገስት ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 15 ዝተወስደ ጠቒሶም እቲ ሕማም ለምጺ ዝነበሮ ጀግና ንእማን ሶሪያዊ ነቢይ ኤልሳዕ ክፍውሶ ይሓትት። እንተዀነ ግና እቲ ምፍዋስ ብተራ መገዲ ክፍጸም ምዃኑ ደስ ኣይበሎን። ነዚ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 24 ክሳብ 30 ምስ ዘሎ ቃል ብምትሕሓዝ ተቐማጦ ናዝሬት ኣብ ቅድሚ ቃል ኢየሱስ እውን ከምኡ። ኣብ ቅድሚ ምድሓን ኣምላኽ ምረት የስምዑ፡ ስለምንታይ ምድሓን ኣምላኽ ናይ ወዲ ሰብ ውጥን ብዘይምዃኑ። ከምቲ ድሕነት ከምቲ ኣንሕና ክኸውን እንሓስቦ ኣኰነን። ኢየሱስ ናይቶም ምድሓን ብፈላይ ናይ ግብረ ገብ ሕግን ስርዓታትን ዝኽወን ብዝብሉ ዝነበሩ ናይ ሕጊ ሊቃውንቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘቐርብዎ ንዕቐት የስተውዕል። ሕዝቢ ግና እማኔኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ሕጊ ሊቃውንቲ  ኣየንበረን።

ሰደቃውያን ድሕነት ምስ ናይ ዓለም ስልጣናት ብምውጋይን ስምምዓት ብምእታው ይደልዩ። ምስ ንጉሳንን ምስ ክህነታውን ፖለቲካውን ጉዳያት ይዋገዩ። እቲ ሕዝቢ ግና ኣብ ኢየሱስ እማኔኡ የንብር። ብስልጣን ይዛረብ ምንባሩ ስለ ዘስተውዓሉ ኣብኡ እማኔኦም ኣንበሩ። ስለምታይ እዮም እቶም ሊቃውንቲ እዚ ጉዳይ’ዚ ከም ዕንቅፋት ዝርእይዎ? ምድሓን ውጽኢት ናይ ዓበይቲ ፍጻሜታት እዩ ቢሎም ስለ ዝሓስቡ፡ ድሕነት ሃብቲ ገንዘብ ስለ ዘለካ ሓይሊ ስለ ዘለካ ኣይኰነን። መደብ ኣምላኽ ፍሉይ እዩ። ከም ዕንቅፋት ዝሓስብዎ እቲ ምድሓን ከምቲ ውጥን ናቶም ብዘይምዃኑ እዩ። ድሕነት ካብ ነሓሽቱን ተራን ንገራት ዝመጽእ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ተራ ነገራት ዝመጽእ ብምዃኑ እዚ ንኣኣቶም ዕንቅፋት እዩ።

እቶም ኣትሒትና እንምልከቶም ናይ ወንጌል ክልተ ዓንድታት

ኢየሱስ ናይ ምድሓን ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ ስለ ዓበይቲ ነገራት ኣይዛረብን። ድሕነት ብነኣሽቱ ነገራት ምዃኑ ይገልጽ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25 እቲ ብዛዕባ ናይ ፍጻሜ ፍርዲ፤ ነቶን ትሑታንን ዕሩቓትን እሱራትን ህሙማንን ስለ ዝገበርካ ምሳይ ነዓ እንክብል ዝገለጾ እዩ፡ ምድሓንካ ኣብ ዓበይቲ ነገራት ኣብ ስልጣናትን ሃብቲ ገንዘብን ኣብ ስምምዓትን ዘተን ኣይደለኻዮን እሞ ምሳይ ንዓ።

ምድሓን ብተራ ነገራት ብምዃኑ ዘቖጥዖም ብዙሓት ኣለዉ፡ ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ እንጓዓዘሉ ዘሎና እዋን ኩላትና ኣብ ማቴዎስ ምዕ. 5 ናይ ኢየሱስ ትምህርቲ ብፅዓናን ከምኡ ድማ ማቴዎስ ምዕ. 25 ንኸነንብብ እዕድም።

ኣትሒቱ ዝርእን ዝንዕቕን እኰ እቲ ዕቡይን ምኩሕን እዩ፡ … እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብፁዕ እዩ ይብል።

ናይ መስቀል ጽላለ

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብዘን ማዕልታት ማቴ. ምዕ. 5 ምዕ. 25 ነኸነንብብ እዕድም ኣብ ልብና ጽን ዝብለና ጉዳይ ነስተውዕል እንኰ መገዲ ድሕነት መስቀል እዩ። ወልደ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዘዋረደሉን ዘንኣሰሉን ዕብደት ናይ መስቀል። ድሕነትና ናይ መስቀል ዕብዳን እዩ፡ መስቀል ዕንቅፋትን ዕሽነትን ዝተባህለ ንዓና ግና ድሕነት ኰይኑልና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.