2016-02-27 15:48:00

ናይ ፍኖተ መስቀል አስተንትኖ


ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ሮማ ከተማ ብምኽንያት ናይ ሕማማት ሰሙን ዓርቢ ስቕለት ኣብ ከባቢ ኮሎሰዩም ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሪሑ ዝካየድ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣብ 2016 ዓ.ም.  ዕለት 25 መጋቢት ዝፍጸም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ናይ ለምዘበን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ መስቀል መገዲ ዝንበብ ኣስተንትኖ ንኽደርሱ ኣብ ኢጣኢያ ናይ ፐሩጃ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ባሰቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሓርዩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካ ቲዚያና ካምፒዚ ኣፍሊጠን።

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ዘተኰረ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝቖመ ኣስተንትኖ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኰነስ እቲ ሕማማ ምስቲ እንነብረሉ ዘሎና እዋናዊ ዓለምን ኩነት ሰብ ብምትሕሓዝ ዝጽለይ እዩ፡ ውግእ ጥምየት ድኽነት ኢፍትሓውነትን ዓመጽ ዝኣመስሉ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ምስ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምትሕሓዝ ብምስትንታን ህያውነት ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሰብኣውን ዝምስክር እዩ ኢሎም።

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ምስ ናይ ወዲ ሰብ ስቓይ ውህደት ኣለዎ፡ ናብ ጐይታ ስለ ምድሓን ሰብ ዝዓርግ መስዋዕቲ።

እቲ ዝደርስዎ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ፍኖተ መስቀል ዘተኰረ እውን እንተዀነ፡ ምስ እዋናዊ ዓለም ዝተኣሳሰረ እዩ፡ እንነብረሉ ዓለም መሳቕል ዝተመልአ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብፍቕሪ ኢየሱስ ነቲ እዋናዊ መስቀል ብምስትውዓል ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዓመተ ምሕረት’ዚ እቲ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ናይ ፍቕርን ምሕረትን ኣድማስ ዘለዎ እዩ ኢሎም።

ኣብ ራብዓይ ፍኖተ መስቀል ኢየሱስ ምስ ኣዲዮ ተራኸበ ይብል እዚ ኩነት ምርኻብ ኢየሱስ ምስ ኣዲኡን ኣዴናን፡ ናይ ማርያም ሱታኤ ኣብ ናይ ወዳ ስቓይ ዘነጽር እዩ። እዚ ድማ ብዙሓት እዋናውያን ኣባይቲ ስድራን ወለድን ዝነብርዎ ኵነት እዩ። ስእነት ስራሕን መንእሰያትን ናይ ስራሕ ኩነት ብሓሻኡ ጽንኩር ኩነት ማሕበርሰብን ኣባይቲ ስድራን ከምኡ ኣውን ናይ ቤተ ክርስትያን ኵነት እውን ዘመልክት እዩ። ሰለዚህ ምንጻሕን ዕርቅን ዘማእከለ ምዃኑ ሓቢሮም።

ሕማማት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ናይ እዋናዊ ሰብ ስቓይን መከራን ቀረባ እዩ፡ ስቓይን ሞትን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምትዕራቕና ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ ናይ ሕይወት ትርጉም ዘጥፍእ ዘሎ ዓለም፡ ምስፋሕ ናይ ሞት ባህሊ፡ ኵለ መዳያዊ ዘይምርግጋእን ዝኣመሰሉ ስደትን ስደተይናታን ነዚ ዅሉ ድማ በታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ምሕረት ዓመት መኽፈቲ ናይ ኣዋጅ ሰነድ Misericordiae vultus - ውጅሂ ምሕረት ዝጥመት ስቃይ እዩ። ብናይ ኢየሱስ ስቓይን ናይ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ስቓይ ምንባብ የድሊ። ኣብ መስቀል ሞት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስደት ማሕበረ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ንጹሓንን ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብን ስቓይ ኣሎ። እቶም ዝስደዱን ኣሳዶን ኣድልዎን ዘጓንፎም ዘለዉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ናይ 21 ክፍለ ዘመን ሰማዕታትን ሓዋርያት ናይ እዋናዊ ዓለም እያቶም እንክብሉ ገሊጾም። ክርስቶስ ዝነብሩ ክርስቶሳውያን እያቶም ምስ በሉ እቲ ንሶም ዝደርስዎ ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል ነዚ ዅሉ ዘጠቓልል እዩ። ኩነት ዓለምን ሰብን ብዓይኒ ሕማማት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምጥማትን ምትንታንን ዝብል ሓሳብ ዘምርሔ ኣስተንትኖ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ኣስተንትኖ ሕማማት ይብሉ ብብርሃን ትንሳኤ ዝንጸር እዩ፡ ክርስቶስ ሞይቱን ንሞት ስዒሩን ስለ ድሕነትና ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ሕማማት ንተርፍ እውን እንተዘይኰንና ትንሳሴ ኣሎ። ስቓይ ደሓን ክበሃ የብሉን። ኣብ ስቓይና ስቓይ ጐይታ ንዘክር ኣብ ስቓዩ ሱታፌ ንነብር፡ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.