2016-02-27 15:55:00

ፍኖተ መስቀል ኣብ ሮማ፥ ስለ እቶም ብእዋናዊ ጊልያነት ዝሳቐዩ


ፍኖተ መስቀል ኣብ ሮማ ስለ እቶም ብእዋናዊ ጊልያነት ዝሳቐዩ ብዝብል ሓሳብ ዝተመርሔ ዕለት 26 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ማሕበረሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ምሸት ሮማ ኣብ ዝርከብ ካብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱዝ ዘሳሲያ ዝተበገሰ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓዳስ ዝበጽሔ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ሓቢሮም።

ናይቲ እቲ ብእዋናዊ ጊልያነት ዝሳቐዩ ሓሳብ ገይሩ ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣሰናዳኢ ኣባ አልዶ ቦንኣዩቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዝተኻየደ ፍኖተ መስቀል ህያው እንክብሉ ስምዮም፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ኣብ ጐልጐታ ሎሚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዝተፈላለየ መገዲ ንጹሓ ዜጋታት ዝነብርዎ ምዃኑን ኣብቲ ናይ ጐይታና ስቓይ ሱታፌ ከምዘለዎ ንምርግጋጽን እቲ ዝወርዶም ዘሎ ስቓይን መከራን ክውገድ ማሕበርሰብ ዘነቓቕሕ እዩ።

ብዙሓት ደቂንስትዮ ብዝተፈላለየ መገዲ ሰብእነት ኣብ ዘሕስር ጊልያነት ወዲቐን ይርክበባ። ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ከተማታትና ዝርከባ ንሩካቤ ሥጋ መጋበርያ ዝተዳርጋ ሰብነትን ብምሻጥ ዝነብርኦ ናብራን ኣብ ልዕሌኤን ዘጓንፍ መከራንን እዋናዊ ዓለም ብሱቕታ ክርእዮ ዘይብሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ፡ ሕይወት ኣመንዝራነት ጸረ ሰኣውነት እዩ፡ ኣካልካ ምሻጥ ዝብል ሓድሽ ጊልያነት ኣብ እንነብረሉ ዓለም ይሰፍሕ ምህላዉ ገሊጾም፡ በዚ ተግባ’ዚ ብሃብቲ ገንዘብ ዝድልቡ ጉጅለ ገበነይናታ ምክትታል ክግበረሎም ይግባእ፡ ስጋዊ ርውየት ኣሚትካ ንኣኣተን ከም መጋበርያ ምጥቃም ምስቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝፍጽምዎ ገበን ዝመዓራይን ኣብቲ ናይቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ምትሕብባር ማለት እዩ። ነትን ኣካለን ንኽሸጣ ዝግደዳ ክርስቶስ ቀረባአን ምዃን ንምምስካርን እቲ ናጻ ዘውጽእ ተስፋ ኢየሱስ ምዃኑ ንምምስካር ኣሚቱ ዝተኻየደ ጸሎት ፍኖተ መስቀል እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.