2016-02-26 09:20:00

ኣባ ካምፓበል፥ ፍቕሪ ቅድሚ ዓለም


ካብ ዕለት 25 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ መላእ ናይ ኢጣሊያ ቤተ መጻሕፍቲ ዝተዘርገሔ ቅዱስ ኣቦና ካብ ብዙሓት ሕጻናት ዝለኣኸሎም ደብዳቤታት መሰረት ገይሮም ዝህብዎ መልሲ ዘማእከለ መጽሓፍ ብፍላይ ካብ 6 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድመኦም ሕጻናት ንዝለኣኹሎም ሕቶታት ዝሃብዎ መልስታት ብጠቕላላ ኣብ 30 ናይ ሕቶ ደብዳቤታት ዘተኮረን ዝሃብዎ መልስን ዘጠቓለለ መጽሓፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ሎዮላ እተሰምየ ቤት ማሕተም ብዘንበሮ ፍሉይ ድላይን ብናይ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር በቢ ክልተ ሰሙን ዝሓትመ መጽሔት ዋና ኣሰናዳእን ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣሰናዳእነት ዝተደርሰ መጽሓፍ ብናይ ኢጣሊያ ቤት ማሕተም ሪዞሊ ተሓቲሙ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ኣመልኪቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ቤት ማሕተም ሎዮላ ዋና ሓላፊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፖውል ካምፕበል ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይቲ ቤት ማሕተምን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መጽሔታትን ኣባይቲ ማሕተምን ሓለፍትን ጋዜጠይናታትን ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕጻናትን መንእሰያትን ሕቶ ዝህብዎ መልሲ ዘጠቓለለ መጽሓፍ እንተዝሕተም ዝብል ዘቕረብዎ ሓሳብ ዘንቀሎ ድላይ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ነቲ ሓሳብ ናብ ቅዱስ ኣቦና ብናይ ካቶሊካዊ ስልጣነ መጽሓኤት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባ ስፓዳሮ ክቐርብ ምስ ተወሰነ ነቲ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ምስ ሃብሉ` ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝቐርቡ ሕቶታት ብምትእኻኻብ ካብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ሕቶታት ውሽጢ ድማ ነቲ ኩሉ ሕቶ ከጠቓልሉ ኣብ ዝኽልእሉ 30 ሕቶታት ብምትኳር እቲ ሕቶ ብኣባ ስፓዳሮ ንቕዱስ ኣቦና ብመልክዕ ቃለ መሕትት እናቐረበ ቅዱስ ኣቦና ሓደ ብሓደ ዝሃብዎ መልስታት ዘጠቓለለ መጽሓፍ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሓደ እዋን ይብሉ ኣባ ካምፓበል ቅዱስ ኣቦና እንክዛረቡ ኣዚዩ ከቢድ ሕቶ ዝቐርብ ካብ ሕጻናት እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም ነኣሽቱ ሕጻናት ዓበይቲ ናይ ስነ ህልውና ሕቶታት ዘቕርቡ እያቶም ንኣብነት ካብ ካናዳ ርያን ዝተባህለ ሕጻን፥ እግዚኣብሔር ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ እንታይ ይግበር ኔሩ ዝብልን ከምኡ እውን ሉካ ካብ ኣውስትራሊያ፥ ኣደይ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያትኒ እያ፡ ከም መላእኽቲ ኣኽናፍ ተውጽእ ድያ? ዝብሉ ዓበይቲ ናይ ስነ ተፈጥሮን ሕልውናን ቲዮሎጊያን ተምሳል ምዃናዊ ሕቶታት ጠቒሶም ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ሕጻናት ዓበይቲ ሕቶታት ሕጻናት ክርድእዎ ብዝኽእል ቋንቋን ኣገላልጻን ዝሃብዎ መልሲ ዘጠቓልል መጽሓፍ እዩ ኢሎም።

ሓደ ር.ሊ.ጳ. ትብጻሕ ናብ ሕጻናት መጽሓፍ እንክደርሱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፋልማይ ምዃኑን፡ ቅዱስ ኣቦና በቲ ንናይ ሕጻናት ሕቶ ኣቢሎም ዝህብዎ መልሲ ምስ ሕጻናት ጥራሕ ዘይኮነ ምስቲ ብጹሕ ወለዶን ምስ ወለዲ ሕጻናት እውን እዮም ይዝትዩ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልሲ ምሕረትን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን መከራን ተኻፋሊ ምዃንን ተምሳጥ ኣብ ናይ ካልእ ኩነት ሕይወትን ተስፋን ፍቅርን ዘድምዕ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ ሃረር ዝብልን ሃረርታ ፍጹም ፍቕርን ዘለዎ እዩ ቢሎም እቲ መጽሓፍ ኣብ መላእ ሃገራት ክዝርጋሕ ድማ ተስፋ ኣሎኒ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.