2016-02-23 16:25:00

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ፦ ዛዕባ ሃይማኖታትን ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓትን


ምሕዝነት ንለወጢ፦ “ሃይማኖታትን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ክሳብ 2030 ዓ.ም. ናይ ምርግጋጽ መርሃ ግብሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ዓለም ለኻዊ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ኣብ በርሊን ክምእተኻየደ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት፦ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ዝረአይ ድኽነት ብፍርቂ ምጓዳል እንክብል ዝተሓንጸጾ ሽሓዊ መደብ ልምዓትን ኣስዒቡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ልምዓትን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክንክን ምህዳርን ዘጠቓልል ዝሓንጸጾ ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ንምርግጋጽ ኩለን ሃይማኖታት ኣብዚ መዳይ ዘቕርበኦ ድጋፍ ፈልዩ ዘነጸረ እውን ምንባሩ ኣዘኻኺሩ፦

ኣብ ጸረ ድኽነት ቃልሲ ግደ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

እቲ ናይ በርሊን ዓውደ ጉባኤ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ መዳይ ደገፍ ልምዓት ዘቕርብኦ ጭቡጥ ምትሕብባር ዘነጸረን ብፍላይ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝፍጽምኦ ናይ ግብረ ሰናይን ድኽነት ንምውጋድ ዝኣመተ ዘቕርብኦ ኩለ መዳያዊ ሕንጸት ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዎ ምዃኑ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ መጋቤ ፍይክሰ ትቫይት ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሓቢሮም፦ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ መደብ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘለወን ዓቢይ ግደ ኩሉ ዝፈልጦን ዝንእዶን እዩ፣ ኣብተን ናይ ዓለም መንግስታትን ዘይበጽሕሉ ከባቢታት እውን ተዋፊረን ዘግልግላ እየን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሃይማኖታትን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃይማኖታትን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓትን ኣብ ዝብል ዕላማ ዓለም ሓቆፍ ምሕዝነት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመ እውን መጋቤ ትቫይት ድሕሪ እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተሃበ ጋዜጣዊ መገልጺ ከምዘመልከቱን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ረድኤት ማሕበራትን ብሓፈሻኡ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዘቕርብኦ ደገፍ ብመንግስታት ኰነ በቶም ንዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘካይድኦ ናይ ሰብኣዊ መደባት መሳለጢ ለገስቲ ኣካላትን ትካላትን ዓቢይ ተፈላጥነት ዘለዎ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ናይ ሃይማኖታት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ከምኡ እውም ምስ ናይ ሃገራትን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ዝግበር ምትሕብባር ብሉጽ ክኸውን ድማ ሓደራ ቢሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣብ ደገፍን ሓገዝን ሕዝቢ ምውሳእ ዘይፈቕዳ ሃገራት ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ዕድል ዘይህባ ሃገራት ዝኽተልኦ መምርሒ ክቕይራን ስለ ሰብኣዊ ደገፍ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘቕርብኦ ምትሕብባር ፍቑድ ክግበራ መታን ናይ ኩለን ሃገራት መንግስታታ ምትሕብባር የድሊ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.