2016-02-23 16:30:00

መበል 40 ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጉባኤ


እቲ ካብ 1967 ዓ.ም. ኣትሒዙ ከከም ሕጹጽነት ርእሰ ጉዳይን ኩነታት ከባብን ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን በቢ ዓመቱ ድዩ በቢ ክልተ ዓመት ክካይድ ዝጀመረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝጥርንፍ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ናይ ለምዝበን 2016 ዓ.ም. ጉባኤኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ፎሎሪዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ታምፓ ዕለት 22 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ከምዝጀመረ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ናይ ምሕረት ወጅሂ

እቲ ኣብ ከተማ ታምፓ ዝካይድ ዘሎ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ርእሰ ጉዳይ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ወጅሂ ዝብል ክኸውን እንከሎ፦ እዚ ድማ እቲ ኣብ ከባቢ ኣመሪካውያን ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትኽተሎ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘጋጥሞ ብድሆታትን ምዕባሌታቱን ብዕምቆት ንምጽናዕ ዝድግፍ ምዃኑ እንክሕበር፣ እቲ ክሳብ ዕለት 25 ለካቲት ዝቕጽል ዘሎ ዋዕላ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ውጅሂ ብመንጽር ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን እቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝተሳተፍሉ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ፍሉይ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዘውጽኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድን ዝትንትን ምዃኑ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ ሓቢሩ።

ስደትን ኣስፍሆተ ወንጌል ስድራ ቤትን

እቲ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ናይ 2016 ዓ.ም. ጉባኤ፦ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድህረ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ሲኖዶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1999 ዓ.ም.  ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ክልተ ሺሕ ኢዮቤላዊ ዓመት ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ጸቕጢ ልቓሕ ምስራዝን ዝብል ሓሳብን ኣማእኪሉ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ናይ ዘካይዶ ጉባኤን ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ፍሎሪዳ ብዛዕባ ስደተይናታትን ኣብ 2002 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል፣ ዓውሎማዊ ኤኮኖሚ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑን ኣብ 2003 ዓ.ም. ናይ ከባቢ ባህሊ ዓውሎማነትን ኣብ ኪበክን ኣብ 2004 ኣብ ተክሳስ ዛዕባ ስድራ ቤትን ኣብ 2005 ኣብ ኮልምቢያ መራኸቢ ብዙሃን ርእሰ ጉዳይ ገይሩን ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣስፍሆተ ወንጌልን ዓለማውነትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከተማ ሁንትንግን ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ዓመተ ክህነትን ናይ ሰብኣዊ ድጋፍ ንሃይቲን ኣብ 2011 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ታምፓ ተልእኮ ወንጌል ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ናይ ዘካይዶም ጉባኤታት ናይ ፍጻሜ ሰነዳት እውን ምልስ ቢሉ ዝምልከት ምዃኑ ናይ ኣመሪካውያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መግለጺ የመልክት።    








All the contents on this site are copyrighted ©.