2016-02-20 17:34:00

፭ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ የካቲት 13 2008 ዓ.ም. (2/21/2016)


ስብከት፡“እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን፥ ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኩሎሙ እለ ይዓውዱ፥ እግዚኦ አምላከ  ኃያላን መኑ ከማከ።”

መዝሙር፡ ጻድቃን አብ ነነድሕዶም ነቲ ጻድቕ ዝረአዮ ዘሎ እናበሉ ተሓተቱ፥ ኢሳያስ ንልዑል ርእየዮ በለ፥ ርእይዎ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ ሙሴ እውን ብዓምዲ ደመና ዝረአዮ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን። ማርያም እውን አብ ከርሳ ዝጾሮቶ ንልዑል ርአኽዎ በለት ርአየቶ ክትሓቶ ኸአ ክኢላ። ዮሓንስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ዘጠመቖ ርእዩ ግን ክሓቶ አይከአለን፥ አሕዋተይ ብሓጎስ ብዓልና ንግበር ምኽንያቱ እቲ ዘይርአ ተራእዩ፥ ክርስቶስ ፀሓይ ጽድቂ ተገሊጹ።”

አብዚ እንነብሮ ዓለም ካብ ፍጡራት አብ ምስጢር አምላኽ ክሳተፍን ከም ዓቕሙ ክፈልጥን ዝተዓደለ ወዲ ሰብ ጥራሕ እዩ። “ካብ መላእኽቲ አትሕት አበልካዮ” እናበለ ዳዊት ዕብየት ተፈጥሮ ሰብ ይዛረብ። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ነዚ ምስጢር ተፈጥሮና ርኢና ምስቲ ወሃቢ ዝኾነ ፈጣሪ ክህልወና ዝግብኦ ርክብ የዛኻኽረና። አብዚ ቅዱስ ቦታ መጺእና ዘሎና ንአምላኽ ክነዕልል ክንጽሊ ክንሳሕ ምሕረቱ ክንልምን እሞ ነቲ ብጸጋ ጥምቀት ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ድሕነት አብ ምልአትን ምሉእ ውህደት ምስ አምላኽ ክንገብር እዩ። ክርስቶስ ሎሚ እውን አብ ማእከልና አሎ ናቱ ንኹን።

አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ኢየሱስ እቲ ሓዲስ ኤልሳዕ ከም ዝኾነ እሞ ንህዝቡ ዝምግብን አብ ሓደ መንፈስ ከም ዝኾና ዘዘኻኽረና እዩ። አብ 2ዘነ 4፡42-44 ዘሎ ምስ ዮሓ 6፡1-15 ዘሎ ተመሳሳላይ ከም ዝኾነ ንርኢ። ክልቲኡ ብዛዕባ እንጌራ ምስ ተባረኸ ከም ዝበዝሐን ህዝቢ ከም ዝተመገበን ይዛረብ። ክልቲኡ ተአምራታት ካብ ፍቕርን ሕያውነትን ተበጊሶም ከም ዝገበርዎ  ንርኢ።

አብ ናይ ኤላስዕ ነብይ እንተ ረአና ከም ህያብ መግቢ ምስ ተዋህቦ ነቲ ጠምዩ ዘሎ ህዝቢ ክውሃቦም አዚዙ። ንሱ ካብ ፍቕርን ሕያውነትን ተበጊሱ እዩ ገርዎ፥ ካብቲ ዝተቐበሎ ክምግቦም ወሲኑ። አምላኽ ፈቃርን ሕያውነት ዝመልኦ ልቢ ምስ ረአየ ብኡቢሉ ከምዚ በለ “ኪበልዑ እዮም ከትርፉ ድማ እዮም” (2ዘነ 4፡43)። ምስ እዚ ዝመሳሰል አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኢየሱስ ካብ ፍቕሪ መጓሰኡ ተላዒሉ ሓዲስ ኤልሳዕና ኮይኑ ከምቲ ኤልሳዕ ዝገበሮ ነቲ እንጌራ አበርኪቱ ሃቦም። ብኃሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ዓሣ ኃምሽተ ሽሕ ህዝቢ መጊቡ። እዚ ዝሕብሮ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ብሰናይ ዜናን ብቅዱስ ቍርባንን እናመገበና ጽቡቕ ክንህሉ ከም ዝደሊ ዘርኢ ምዃኑን እዩ። ንሱ ንመንፈሳውን ሥጋውን ግድነትና ይግደስ።

አምላኽ ብነፍስን ብስጋን ክንጠሚ አይደልን እዩ። ንሎሚ ብዝያዳ ከይንጠምዮ ተደልዩ ዘሎ መንፈሳዊ መግብና እዩ። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ተነሲሕና ክንቆርብ ይድለ አሎ። ባዕሉ ከም ዝበለና “ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አነ አብኡ ንሱ አባይ ይነብር” ኢሉና። አባና ክነብር ክንምገቦ አሎና። ካብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ክንሳተፍ ምኽሪ አይ ኮነንን ግድን እዩ ግን ንጹሕ ሕይወት ክህልወና ይግባእ። ቅ. ጳውሎስ ከይነጻሕና ክንቅበሎ ከም ዘይብልና የጠንቅቐና አብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮ. 11። ከይተቐረብና ልብና ከይነጽሐ አብ መአዲ አምላኽ ክንቀርብ አይግብአናን።

ንባባትና እምብአር አብ መአዲ አምላኽ ክንሳተፍ ስንድዋት ክንከውን እሞ ነቲ አምላኽ በብዕለቱ ብቃሉ ብሥግኡን ደሙን ክንቅለቦ ዝህበና ክንቅበል ይነግሩና። አብዚ መሰረት ገርና አብ ዕለታዊ ሕይወትና ዝህቦ ትርጉም ክንርኢ የድሊ።

ካብዚ ተአምራት ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ንምሃር።

ናይ ኢየሱስ ምድንጋጽ፥ርሕራሐ አብ ልዕሊ መጓሰኡን ህዝቡን። ፍቕሪ፥ ርሕራሐ ኵሉ ጊዜ ንኢየሱስ ንህዝቡ ሓደ ዓቢ ነገር ከም ዝገብር ይግብሮ። ምድንጋጽ/ፍቕሪ ክብሃል እንከሎ ናይ ሓደ ሰብ ስቓይን ሓጎስን ክትካፈል ከሎኻ እትርእዮ ስምዒት እዩ። ናይ ምድንጋጽን ምሕላይን መሰረት እዩ። አብ ሕብረተ ሰብን ስድራታትናን ምድንጋጽ ምትሕልላይ እንተ ዘየሎ ምብትታን እዩ ዘስዕብ። ጥመት ጽምኢ፥ ሕማም፥ ቤት አልቦነት፥ ስራሕ አሎቦ፥ ጽምዋ. . . . ክንርዳእ ምድንጋጽ ርሕራሐ የድልየና።
እግዚአብሔር ንሓደ ንእሽቶይ ነገር አብ ዓቢ ነገር ክቕይሮ ይክአሎ እዩ። ከም አርድእቲ ኤልሳዕን ኢየሱስን ከይ ተጠራጠርናን ከይተኻታዕናን ክንገብሮ ዘሎና በቶም ሓቀኛታት ነብያቱ ገሩ ክዛረበና እንከሎ ንትእዛዝ አምላኽ ክንፍጽም ይግብአና። እዚ ኸአ አምላኽና አልቦ ዘይስአና ኩሉ አብ ኢዱ ስለ ዝኾነ እዩ። በዘን ውሑዳት ኅብስትን ክልተ ዓሣን ንብዙሕ ህዝቢ መጊቡ። ክእለት አምላኽ መለክኢ የብሉን ሓንትስ እምነት ገርና ንሕተቶ።
ሕያውነት ንእሽቶይ ቆልዓ አብ ተአምራት ኢየሱስ እዩ፥ ንሱ ጎብለል ናይ እዚ ተአምራት እዩ። ንሱ ነቲ ዘለዎ ብሕያውነት ሂቡ ሽዑ መሰረት ናይ እቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተአራት ኮይኑ። ንድላይ ህዝብና፥ ስድራና ብፍላይ አብ ዝጋጥም ሕማቕ ኩነታት እሞ ሓንቲ ክግበር አብ ዘይከአለሉ እዋን አበርክቶና ከመይ ኢልና ንምልስ? እዚ ቆልዓ በታ ዝነበረቶ ንእሽቶይ ነገር ዝዓበየ ፍታሕ አምጺኡ፥ ንኹነታት ህዝቡ ካብ ጥሙያትን ሽጙራትን ዝነበሩ ቀይርዎ ናብ ጽጉባትን ሕጉሳትን ቀይርዎ። ጳውሎስ አብ ቀዳመይቲ ንባባ አብ ሓደ ጠርኒፉ ዝገልጾ እዩ፥ ከም ሰውነት ክርስቶስ መጠን አብ ሓደ እምነት፥ ጥምቀትን መንፈስን ተጠሚርና ክነብር ዘድልየና ነገራት ይነግረና፥ እዚ ኸአ “ ፍቕሪ ለውሃት፥ ርሕራሐ፥ ትሕትና፥ አኽብሮትን ትዕግስቲ አብነነድሕድኩም” ዘጠቓለለ እዩ።

አብ መጨረሻ ነታ ንእሽቶይ ዘላትና ክነቕርብ ስንድዋት ንኹን፥ ምኽንያቱ እዚአ ምንጪ ተአምራት አብ ማሕበርና አብ ቍምስናና ክትከውን ትኽእል እያ። እዛ ንእሽቶይ ህያብ ወይ መባእ አብ ሕይወት ሕብረተ ሰብና ምንጪ ለውጢ ክትከውን ትኽእል እያ። ርሕራሐን ሕያውነትን አብ ነነድሕደን ክቀባበላ ከለዋ ውጽኢቱ ብዙሕ ጊዜ ዓቢ ተአምራት አብ ሕብረተሰብ ብሓደ እምነትን መንፈስን ጥምቀትን አብ ክርስቶስ ዝሓበሩ እዩ ዘስዕብ። ብዘይ ርሕራሐን ሕያውነትን አብ መንጎና ትአምራት ክፍጸም አይክአልን እዩ። ርሕሩሕ ምዃን ማለት ከም ክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ፥ ሕያዋይ ምዃን ማለት ከአ ምስ ክርስቶስ አብ ትአምራቱን አከልግሎትን ሓቢርካ ምዕያይ እዩ።

ሎሚ ክርስቶስ አብ ሕብረተ ሰብናን አብ ስድራ ቤታትናን ከምኡ አብ እዋና ዘድሊ ነገራት ኮነ፥  ተአምራቱ ኽገብር ክልተ ዓሣን ሓምሽተ ኅብስትን ዘለዎም ይጥምት አሎ። እዚ ሰብ እዚ ምናልባት ንስኻ/ኺ ትኸውን። ዘሎካ እንተ ዘይሓባእካ ዝስዕብ ጎብለል አብ ዝመጽእ ተአምራት ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ማሕበርን ስድራን ክትከውን ይክአል እዩ።

አባና ተአምራት ክፍጸም አብ ክርስቶስ ምሉእ እምነት ክህልወና ይግባእ። ሓዋርያት ኢየሱስ ምስኦም ከምዘሎ ንሱ ንዝኾነ ነገር ክገብር ከምዝኽእል እናነገሮምን ርአዩን እምነት ይግድሎም ነሩ። እምነቶም ስለ ዝወሓደ ክርድኦም ክቕበልዎ ይጽግሞም ነሩ። ንሕና እዋን ብዝጓነፈናን ፈተናን ነገራትን ንአምላኽ ክንርኢ የጸግምና ነዚ ተረድእና ብዝያዳ አብኡ ክንምለስ ክንሰምዖ ኩሉ ናቱ ዘበለ ክንህቦ ይግብአና። 

ብዙሕ ጊዜ አብ ሕይወትና ዘሎ ሰናይ ነገርን ክንገብሮ ዝግብአና ክንርኢ ልብናን ሕልናን ይዕጾ ብፍላይ አብ ሓደ ዓይነት ሕይወት ምስ ነበርና ክንቅይር አይንሓስቦን፥ ልምዲ ሒዙና አብ ክንኮኖ ዘይብልና ንነብር። ነዚ አብነት ዝኾነና ነዚ ዝስዕብ ንስማዕ።

ሓደ እዋን ሓደ ጨካን ሓዳናይ ሓንቲ ጽብቕቲ ንስሪ ቀቲሉ ንእንቋቕሒአ ወሲዱ ምስ ናይ ድርሆ እንቋቝሖ ሓዊሱ ከም ዝነቍሕ ገርዎ። እታ ደርሆ ብዙሕ አይጠዓማን ምኽንያቱ ናይ ንስሪ እንቋቝሖ ዕብይ ዝበለ ስለ ዝኾነ። እቲ እንቓቕሖ ምስ ነቝሐ ነታ ናይ ንስሪ ሽም አውጺኡ ብስማ ይጽውዓ ነሩ ከም ኵሎም ጨቓውቱ ኸአ ይከናኸና ነሩ። መጠን ዝዓበየትሉ ከም ካልኦት ጨቓውት ክትኮነሉ እዩ ዝደሊ ነሩ።

ሓደ መዓልቲ እዛ ናይ ንስሪ ጫቚት አብ ሰማይ አዕዋፍ ክነፍራ ርእያ እዚአን ከመይ ኢለን ይነፍራ ከምአን ክትከውን ተመንያ። ሓደ ንሳ ንስሪ ከም ዝኾነት እሞ አብ ሰማይ ላዕሊ ክትነፍር ከም እትኽእል ዝነገራ አይነበረን። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ አብቲ ቦታ መጺኡ ፍልይ ዝበለት ከም ዝኾነት አለልዩ ንሳ ደርሆ ከምዘይ ኮነት ፈሊጡ አብቲ ጥቕኦም ዝነበረ ግራት ወሲዱ ካብ አእዳዉ ምንፋር ከምህራ ጀሚሩ ቀስ ብቀስ ነቲ እትነፍረሉ ቍመት እናወሰኾ ከይዱ ክትነፍር ከም እትኽእል ምስ አረጋገጸ ሓፍ አቢሉ ንላዕሊ ደርብይዋ ሽዑ ነፊራ ዘራ አብ ሰማይ ኮይና ድምጻ እናሃበቶ ተዓዚራ።

አብዚ እንምሃሮ ዝኾነ ሰብ አብ ሓደ ሕይወት እሞ ክነብሮ ዘይግብኦ ምስ ለመዶ ከም ናቱ ወሲዱ ዘይናቱ ኮይኑ ይነብር ሽዑ አብዘይ ባህሪኡን አብዘይ ናቱ ይነብር። ንሕና ደቂ አምላኽ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና እንተ ኾነ ዘይ ደቂ አምላኽ ኮና ክነብር ገለ እዋን ብባዕልና ብእንገብሮ ገለ እዋን ከአ ብሰባት ተመሪሕና አብዘይ ናትና ንነብር። ክንርኢ እንተ ጀመርና ናይ መን ከም ዘሎና ክንሓስብ እንተ ንጅምር ግን ከምዛ ውላድ ንስሪ አብቲ አምላኽ ብሂጉ ዝፈጠረና ክንምለስ ምኽአልና። ምስ መን አሎኹ ናይ መን አሎኹ ክንብል ግቡእ እዩ። ንሓቂ ንርትዒ ንፍትሒ ብስምዒት ብጽልዋ ካልእ ክነጥፍአ የብልናን። ብርግጽ እዛ ውላድ ንስሪ እቲ ሰብ ነቲ ባህሪአ ክትገብር ሓጊዝዋ ንሕና እውን ንሓውናን ሓፍትናን አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ባህሪ ክርስትያን ክለብሱ እሞ ደቂ አምላኽ ምዃኖም ክፈልጡ እንሕግዞም ምዃና ፈሊጥና ክንልአኽ አምላኽ ሎሚ እውን ክልእከና ይሓትት አሎ።

ክርስቶስ ንህዝቡ ክምግብ ምስ ደለየ ንሓዋርያቱ ክልአኹ ክዓዩ ነጊርዎም። ኵልና ብጥምቀት አብ እምነት ዝአቶና ንጽግማት አሕዋትና ክንረድእ እንልአኽ ንሕና ኢና። ሓንትስ እምነት ገርና ሕራይ ንበል እምበር እንገብሮን እንብሎን ባዕሉ አምላኽ እዩ ዝገብር።

ዘመና ዘታልሉ ዘጋግዩ ዝበዝሕዎ ከቢድ ዘመን ኢና ዘሎና። ንመገዲ አምላኽ ክንሓድግ ዝፈታተኑ፥ ካብ ዘሎናዮ ጸልማት ወጺእና ብርሃን ክርስቶስ ከይንርኢ ብልዙብ ቃላቶም አጋግዮም አብ ዘይናትና ዘንብሩና ውሑዳት አይኮኑን። ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና ስለዚ አብ አምላኽ ገጽና ክንምለስ ክንልምኖ ንበገስ።

ኢየሱስ ብዙሕ ህዝቢ አብኡ ገጹ ክመጽእ ምስ ረአየ “ደንገጸሎም” ይብለና ወንጌል። እግርና አብ ቤት አምላኽ ገጹ ምስ ከደ፥ ዓይንና ነገር አምላኽ ክርኢ ምስ ጀመረ፥ እዝናና ቃል አምላኽ ክሰምዕ ምስ ጀመረ፥ ሕልናና ፍቕሪ አምላኽ ከለሊ ምስጀመረ ጉዕዞ ሰማይ ተተሓሒዝናዮ ከም ዘሎና ምልክት እዩ። አብ አምላኽ ገጽና ክንጉዓዝ ክንተሓሓዞ አሎና። ጠሚና ጸሚእና አብ መገዲ ድሕነት ግዳይ ካልኦት ከይንኸውን ንበራበር።

እቶም ህዝቢ ፍቕሪ ኢየሱስ ዓዚዝዎም ዝበልዕዎ ዝሰትይዎ ረሲዖም ልቦም ቀልቦም አብ ኢየሱስ ገሮሙ፥ ንኢየሱስ ብልቡ ዘፍቀረን ክስዕብ ዝጀመረ እዚ እዩ መለልይኡ። ንሓዋርያቱ ቀለብዎም ኢልዎም። አብቲ ንሱ ዝገብሮ ስራሕ ክጽመዱ ኢሉ ክሳተፉ ነጊርዎም። ቤተ ክርስትያን ሎሚ ነሕዋትና እንምግብ እነጸናንዕ ንዝተጋገየ እንመልስ ንሕና ምዃና ትነግረና አላ፥ ንድሕነት ሓውናን ሓፍትናን ክንወፍር ሕራይ ንበል።

አብ ድሕነት ሓውናን ሓፍትናን ክንወፍር ጸግኡን ኃይሉን ይሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  








All the contents on this site are copyrighted ©.