2016-02-20 16:44:00

ብፁዕ ካርዲናል ሁመስ፦ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ማሕበረሰብ ንሓድሽ ሱታፌ


እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዝዕደሎም ጸጋታት ሓደ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካን መላእ ዓለምን ናይ ቀዳሞት ተወለድቲ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ኣስፍሆተ ወንጌልን ማሕበራዊ ኩነትን ሱታፌኦምን ግዴኦምን ዝሕድስ ዝብል ምዃኑ ብራዚሊያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ክላውዲዮ ሁመስ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።

ኣብ መላእ ከባቢ ኣማዞንን ኣማዞናውያን ሃገራትን ኣብተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ተመዲቦም ዘገልግሉን ልኡካነ ወንጌል ዝነቓቕሕ እዩ። ኣብ ከባቢ ኣማዞናውያን ሃገራት ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ንምንቕቓሕን ምስ ናይ ኣማዞን ባህልን ቋንቋን ዝተወሃሃደትን ጸቕጢ ዘይኰነት ሓራሪት ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ከባቢ ቻፓስ ዘካይድዎ ምብጻሕን ዝለገስዎ ምዕዳንን ምስቶም ቀዳሞት ተወላዶት ደቂ ሃገር ኣብቲ ሓጺር ምብጻሕ ዝነበርዎ ኩነትን ምስቶም ቀዳሞት ተወለድቲ ካህናትን ሰብ ሓዳርን መንእሰያትን ሕጻናትን ተራኺቦም ኣብቲ ቀዳሞት ተወለድቲ ደቂ ሃገር ዝነብርሉ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቀዳመይቲ ተወላዲት ኰይና እያ ክትርከብ ዘለዋ፣ እዚ ማለት ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባህልን ታሪኽን እትውትን ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ አነባብራ ናይ ሕዝቢ ህልው ኩነት ናታ ገይራ እትነብር ቤተ ክርስቲያን ክትኸውን ከምዝግብኣ እዮም ዘነጸሩ። እዚ ድማ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ ኢሎም።

ንሕና ኣብ ታሪኽን ኩነት ሰብን እትውትን ቀዳሞት ደቀባት ዝዀንዎን ምዃኖምን ኰይና ንኹሉ ከም ኩሉን ዝዀኖን ኰይና እትነብር ኣብ ሮማ ዝተወለደት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣባላትን ደቃን ኢና። እቲ ዓቢይ ብድሆ ንቤተ ክርስቲያን ሕዝባ ዝዀኖ ኰይናን ምዃን ሕዝቢ ናታ ገይራ ምንባር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ በቲ ኣብ ቻፓዝ ብዝነበርዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሎም ዘተሓሳስቡናን ሓላፍነት እውን የልብሱና፣ ኣብ ኣማዞን ከባቢ ሃገራት ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህዝብን ቋንቋ’ቲ ህዝብን ባህሊ’ቲ ህዝብን ኰይና እቲ ፍሉይነታ ኣብ ኩላውነት ቤተ ክርስቲያን እትነብር ቤተ ክርስቲያን እያ ነዚ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጥራሕ ዘይኰነ ወትሩ ዘቃልሕዎ ስልጣናዊ መልእኽቲ እውን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

በረከት ከምዝለገሱሎም የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.