2016-02-20 16:32:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኢየሱሳውያን ኣብ መክሲኮ ስለ ኽብሪ እቶም ዝሳቐዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብቲ ብመደብ ዘጠቓልሎ መርሓ ግብሪታት ወጻኢ ኣብ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ኣብ መክሲኮ ንዘገልግሉ ዘለዎ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝውክሉ ሽዱሽተ ካህናት ተቐቢሎም ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡ ዝዝከር ኰይኑ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ መክሲኮ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ዕለት 19 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ከምእተዘርግሔን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መልእኽቶም ነቶም ከም ወዲ ማሕበር ኢየሱሳዊ ኣሕዋቶም ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን፣ ኣብ መክሲኮ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ብዘይ ምቁራጽ ስለ ሰብኣዊ ክብርን ብፍላይ ድማ ስለ እቶም ዝሳቐዩን ክነብርዎን፣ መክሲካዊ መንእሰይ ወለዶ ንሃገሩ ኣገዳሲ ሃብትን ዑቑር ሓይልን ምዃኑ ከስተውዕል ደግፍዎ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ የመልክት።

ስለ ሰብኣዊ ክብሪ ኣገልግሎትኩም ይቐጽል

ቅዱስ ኣቦና ከም ሓውኹም እዚ መልእኽቲ እመሓላልፈልኩም ቢሎም ስለ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ስለ እቲ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝዓደሎ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዝተርፍ ዘይኰነስ ስለ እቶም ዝሰቐልዎ ኣውን ዝዓደሎ ሰብኣዊ ክብሪ ንምኽባር ኣብ መክሲኮ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት ይቐጽል፣ ኣገልግሎትኩም ንምኽባር ሰብኣዊ ክብር ይኹን።

መክሲኮ እትሳቐይ ሃገር፣ ይኹን ደኣ እምበር ዓባይን ሃብታም ሃገር እያ

መክሲኮ እትሳቐይ ሃገር እውን እንተዀነት ዓባይን ሃብታምን ሃገር እያ። ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ፍልይቲ ዝገብራ ብዝሑ ትዕድሎት ዘለዋ ሃገር እያ። ክትግምቶ ዘይከኣል ዕቑር ሓይሊ መክሲካውያን፣ ኣብ  መክሲኮ ጓዳሉፐ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ሰማዕት ብፁዕ ሚገል ኣጉስቲን ፕሮ ስለ እቲ ዝተሰውእሉ ዕላማ ትግሁ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ጂሲቶ ኣስዒቦም እቶም ኢየሱሳውያን ንቕዱስ ኣቦና ናይቶም ኣብ 1927 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ብዝነበረ ጸረ ካቶሊካዊ ሥርዓት ፕሉታርኮ ኤሊያ ጋለስ ዝተቐትሉ ናይ ብፁዕ ሰማእት ሚገል ኣጉስቲን ፕሮ ቅዱስ ትሩፋት ገጸ በረከት ከምዝለገሱሎም የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.