2016-02-18 16:42:00

ናይ ምስልምና ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ታየብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


ኣብ ግብጺ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ሙሳሮ ዝተሰነዩ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክስት ዕለት 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ግብጺ ኣብ ዝርከብ ውሩይ ናይ ሱኒት ሃይማኖት ምስልምና መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ምብጻሕ ከምዘካይዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ልባውን ምዉቕ ኣቀባብላ ዝዓሰሎን ድግማይ ርክባት ምንቕቃሕ

ብናይ ጳጳሳዊ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ተሰንዩ ኣብ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ምብጻሕ ዘካየደ ጉጅለ ልኡኽ ቅድስት መንበር ኣብ ግብጺ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ብምኽትል ናይቲ መንበረ ጥበብ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ መምህር ኣህማድ ኣል ታይብ ኣቀባብላ ከምእተገበረሉን እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብ ልባውን ምውቕን ከምዝነበረን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘተባብዕዎ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መንበረ ጥበብን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን መንጐ ናይ ሓባር ዘተ ንምንቕቓሕ ዝብል ሓሳብ መሰረት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ጠቓምን ሰናይ ንሰብኣውነት ምዃኑ ከምእተገልጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ንዓቢይ ናይ ምስልምና መምህር ናብ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከሰንዩ

ብፁዕ ኣቡነ ኣዩሶ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ንዓቢይ ናይ ምስልምና ሃይማኖት መምህር ተቐቢሎም ናብ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ከሰንዩ ዘለዎም ድላይ ዝገልጽን ወግዓዊ ናብ ሃገረ ቫቲካን ንኽበጽሑን ዝዕድም መልእኽቲ ንናይ ግብጺ ምስልምና ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ምኽትል ከምዘረከቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ስለ እቲ ኣብ ኣል ኣዝሃር ዝተኻየደ ምብጻሕ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ስለ እቲ ዝተገብረ ልባዊ ኣቀባብላ ምኽንያት ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልኡኽ ጉጅለ ምስጋናኡ ብምቕራብ፣ ከምዚ ዓይነት ርክባት ኣብ ክሌኣዊ ምትሕብባራት ዕዙዝ ውጽኢት ከምዝህልዎ ዝተረጋገጸ ምዃኑ ከምእተገልጸ ኣፍሊጡ።    








All the contents on this site are copyrighted ©.