2016-02-13 16:27:00

ሪካርዲ፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዝተባርከ መዓልቲ ንመላእ ዘርኢ ሰብ


ናይ ካቶሊካዊ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ መስራቲ ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ ብዛዕባ ርክብ ቅዱስ ኣባና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ርክብ ኣማእኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ነቲ ርክብ ዝተባርከ መዓልቲ ንመላእ ዘርኢ ሰብ እንክብሉ ገሊጾም ብዓቢይ ሃረርታ ዝጽበይዎ ዝነበረ ታሪኻዊ ርክብ ምዃኑን ነዚ ንምርኣይ ብምብቃዖም ድማ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ርክብ ክፍጸም ዘይበኩር ጻዕሪ ከተካይድ ጸኒሓ እያ፣ ዝሓለፉ ኣርእሰተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሕ ጻዕሪ ዘካየድሉ እዩ፣ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን መንበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓቢይ ስፍራ ኣፍልጦ ዝህቡን ኣብቲ ንሓድነት ኣሚቱ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ዘለዋ ዓቢይ ተራ ኣፍልጦ ዝህቡ ምዃኖም ብዙሕ ጊዜ ምስኦም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዘረጋገጽዎ ሓሳብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ብሓቂ እቲ ርክብ ቡራኬ እዩ ኢሎም።

ሓድሽ ፓትሪያርክ ኪሪል ነቲ ርክብ ስንድው ብምዃኖምን እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትጽቢት ዝነበረን ርክብ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ሲኖዶስን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ኣሳዶን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣብ ምርግጋጽ እቲ ርክብ ጸቕጢ ኣለዎ ዝበሉ ፕሮፈሰር ሪካርዲ ኣስዒቦም ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተዓዛቢ ልኡኻን ዘሳተፈት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ኣብቲ እዋን ናይ ሩሲያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብተዓዛቢ ኣካል ኣቢላ ንምስታፍ ዝወሰደቶ ውሳኔ ዓቢይ ለውጢ እዩ ኔሩ። ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ብቀዳሜ መራሕተን ኣቢለ ክራኸባ ክዝደረኸ ኩነት እውን እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.