2016-02-12 09:45:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንህሙማን ፍቕርና ነስምዓዮም


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል  ማሪያም ዘሉርድ ምስ እተብዕለሉ ዕለት 11 ለካቲት ተተሓሒዙ ዓለም ሓቆፍ መበል 24 መዓልቲ ህሙማን ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም፣ እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ቅድስቲ መሬት ከተማ ናዝሬት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ከምዝበዓል ዘኪሮም፦

እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን “ኣዲኡ (ማሪያም) ነቶም ተዓጠቕቲ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ በለቶም” (ዮሓ. ምዕ. 2,5) ብዘል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ዝተብዓለ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ቃል ወንጌል ናይ ማርያም ኣማላድነትን ምሕጽንታን ናይ እግዚኣብሔር ለውሃትን ምሕረትን ናይ ኢየሱስ ልዑል ሕያውነትን የንጸባርቕ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኩሉ ስለ ህሙማን ክጽልን ንህሙማን ፍቕሪና ክስምዖም ንግበር፣ ኣብ ጐድኒ ህሙማን ኰይኖም ዘገልግሉ ለውሃትን ሓልዮትን ማሪያም ምሳኦም ኰይኑ ከምዘሰንዮምን ሕያውነታ ህልው ኰይኑ እቲ ዘድልዮም ኩሉ ከምእተእንግድን እቲ ዘይሕሰብ ውሳጣዊ ድልየታቶም እውን ብጽንታኣ እተእንግድ እያ። እዚ ዝኸውን ድማ በተን ፍቕሪ ዝተመልኣ የዕንታ ስለ እትጥምት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ህሙማን ኣበራቲዖም ስቅያቶም ምልዋጥ ነቶም ካብ እግዚኣብሔር ርሒቖም ንዝነርቡ መስዋዕቲ ገይሮም ከዕርግዎ ከምእተማሕጸኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.