2016-02-06 15:29:00

ንግደት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ናብ ደብረ ቅዱስ ያዕቆብ ሔቦ


ብምኽንያት እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ፡ ዝኣወጅዎ ዓመት ውፉይ ሕይወትን ዓመት ኢዮቤል ምሕረትን ኣብ ሰበኻ ኣሥመራ ዝርከቡ ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ካህናት፡ደናግል፡ ኣኃው፡ ተመሃርቲ ብዝሓለፈ 30 ጥሪ 2016 ዓ.ም ብመስዋዕተ ቅዳሴን ብጾምን ብጸሎትን ኣስተምህሮን ዝተሰነየ መደባት ብዓቢይ መንፈሳውነት ንግደት ንሥርየት ኃጢኣት፡ ናብታ ቅርያት ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዓቂባ ዘላ ደብረ ማርያም ጽዮን ሔቦ ነጊዶም።

ነጋድያን ወጋሕታ ሰዓት 5፡00 ከካብ ማሕበራቶምን ገዳማቶምን መጺኦም፡ ኣብ  ቤተክርስቲያን ደብረ መድኃኔ ዓለም ገጀረት ተኣኻኺቦም፡ ጉዕዞኦም ናብ ሔቦ ጀመሩ።  ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰዓት ጉዕዞ ከኣ ኣብ ምቕልቃል ሔቦ ምስ በጽሑ፡ ብመንፈስ ጸሎትን ተጋድሎን ብጉዕዞ እግሪ ናብ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ያዕቆብ እንኪበጽሑ፡ ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ሓለቃ ገዳም ማሕበር ልኡካን  ሔቦን ካልኦት ካህናትን ምእመናን ኣብ መንገዲ ብኽብሪ ተቀቢሎም፡ ነቶም ምስ ሕዝቦም ኣብ ኣውቶቡስ ዝመጹ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም መስቀል ኣሳሎሞም፡ናብ ቤተክርስቲያም ኣሰነይዎም። ኣብ ቤተክርስቲያን ኪዳን በጺሑ፡ ኣባ ሃይለ ቃል እንቓዕ ደሓን መጻእኩም  ምስ ኣስምዑ፡ መደብ ኑዛዜን ኣስተንትኖን፡ ሲዒቡ ከኣ መስዋዕተ ቅዳሴ ብኁባሬ ዓሪጉ። ድሕሪ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢየሱስ ንደቂመዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኩሳት መናፍስቲ ኬውጽኡ፡ ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩ ስልጣን ከምዝሃቦም ዝገልጽ ክፋል ቅ.ወንጌል ጠቂሶም፥ ምስኡ ዝተሓሓዝ ንባባት ካብ መልእኽታትን ግብረ ሓዋርያትን’ውን ኣመልኪቶም፡፡ እዚ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ጸዊዑ ዝሃቦም ስልጣን ንኣገልግሎትን ጸዋዕታን ሕርየትን ናይ ሰብውፉይ ዝምልከትኢዩ። ኣገልግሎትና ከኣ ብፍላይ ኣብዚ ዓመተ ምሕረት፡ ነዚ ናይ ኢየሱስ ኣገልግሎት ግብረ ምሕረት ብምቕጻል፡ መንግስተሰማይ ቀሪባ ኢያ እናበልካ ወንጌል ድሕነት ምስባኽ፣ ሕሙማት፣ ስኡናት ምሕጋዝ‘ዩ ኢሎም። ቀጺሎም ነቲ “ወንጌል እንተዘይሰበኩ ወይለይ‘’ዝብል ቃል ቅ.ጳውሎስን “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ ኢያ’’ ዝብል ቃል ቅ. ያዕቆብ ሓዋርያን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣቦና ቅ. ያዕቆብ ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኾም፡ ንኩሉ ገዲፎም፡ ብእግሮም እናኸዱ፡ንኣና ንምፍራይ ዘሕለፍዎ ገድልን ዝገደፉልና ዘይበርስ ኣርኣያን ንከተል ብቃልን ብግብርን ንክርስቶስ ንስበኽ፡ ብምባል መልእኽቲ ወንጌል ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ ቅዳሴ ነጋድያን ብምእመናንን ገዳምን ሔቦ ዝተዳለወሎም ለጋስ እንግዶት ተኻፊሎም፡ ናብ ቤተክርስትያን ተመሊሶም፡ ጸሎት መቊጸርያ መለኮታዊ ምሕረት ኣብጺሖም፡ ናብ “ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ሎሚ ንውፉያት እንታይ ይብሉና?” ዝብል ኣስተምህሮ ኣባ ግርማጽዮን ነጋሲ ዘማሕበረ ልኡካን ሓለፉ። ኣባ ግርማጽዮን ቅዱስ ኣቦና ናብዚ ቦታ ክመጹ ዘሕለፍዎ ገድልን ሽዑ ዝነበረ ኩነታትን ብሓጺር ኣብሪሆም፡ ሎሚ ብቃሎምን ብሕይወቶምን ንኣና ንውፉያት፡“ትሕትና ልበሱ ይብሉና ! ንሶም ንርእሶም ብምድሓር ንኽልኦት ቅድምና ዝህቡ ፍቅረይናን ምቅሉልን ብምንባሮም ሓለቃ ክነሶም ከም ኣብ ጽሬት ዝኣመሰሉ ስርሓት ንምስራሕ ስንዱው ነበሩ። ዩስጢኖስ ካብ ትሕትናኦም ዝተላዕለ ንሓላፍነታት ኣብ ምቅባል ይቃወሙ ምንባሮምን፣ እንተተቀበልዎ ከኣ ብመንፈስ ተኣዝዞን ኣገልግሎትን እምበር ብቁዕ እየ ኢሎም ኣይሓስቡን ነበሩ።ኣቡን ምስ ተሾሙ እውን ድኅሪ ክንደይ ልመና እዮም ኪቅበልዎ ዝተረኽቡ። “እቲ ሓለቃ ኪኸውን ዝደሊ ልኡኹኩም ይኹን” ዝብል ወንጌላዊ ትምህርቲ መትከሎም ነበረ ኢሎም። ኣብ ግርማጽዮን ቀጺሎም ብከምዚ መልክዕ ነተን ቅዱስ ኣቦና ሎሚ ንጥበብ ክንደልያን ክንውንናን ክንለብሳን ይላበዉ! ኣብ ሰብን ክቡሩን ዓሚቕ ፍቕሪ ይሃልኹም፣ ናይ ጸሎት ሰባት ኩኑ፣ ጽኑዓት ኩኑ ተጋድሎ ፍተዉ፣፡ብጸገማት ኣይትሸነፉ፣ ንጸዋዕታኹምን ተልእኾኹም ብዘይ ገለ ገደብ ብዘይ ገለ እንተታት ክሳዕ መጨረሻ ኣፍቅርዎ፣ ልክዕ ከም ቅ.ቁርባን ውፉያት ኩኑ። ናይ ምሕረት ስራሓት ኣዘውትሩ፣ ምስ ርእስኹምን ምስ ቤተሰብኩምን ዝተቀባበጹ ብኡነት መናንያን ኩኑ ይብሉና፣ ብሓያል መንፈሳዊ ቅንኣት ነፍሳት ዝተቃጸልኩም ኩኑ፣ንኩሉ እትገብርዎ ድማ ብስምቤተክርስትያንን ብስም ማሕበርን ግበርዎ ይብሉና፡ ገርሂ ዝኾነ ቃልን ሕይወትን ይሃልኩም፣መፍቀርቲ ማርያም ኩኑ ይብሉና፣ መጀመርያ ግበሩ፡ ድሓር መሃሩ፣ መሓርቲ ኩኑ፣ ንዝብላ ንኡሳን ኣርእስታት ብሰፊሑ ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ንሰዓብቶም “ከምቲ ጐይታና  ንእግዚእትነ ማርያምን ንሓዋርያቱን ‘ደኃን ኩኑ’ ቢሉ ዝተፋነዎም፣ ኣነ’ውን ‘ደኃን ኩኑ’ እብለኩም። እቲ ከም ውርሻ ክገድፈልኩም ዝብህጐ ‘ኣይትፈላለዩ’ ዝብል እዩ።.. ካብ ቤትኩም ሓሶትን ሕሜታን ኣርሕቁ። ነንሕድሕድኩም ተፋቀሩ ፣ኣብ እምነትኩም ጽንዑ። ንፍቕሪ ከኣ ልዕሊ ኩሉ ነገር ስርዕዎ፣ ናይ ሃገርኩም ብርሃን ኩኑ’’።…ነቲ ኩሉ’ቲ ዝበደልኩኹም ረስዕዎን ይቕረ በሉለይን’’ ቢሎም ዝተላበውዎ፡ ሎሚውን ንኣና ከምኡ ኢዮም ዝብሉና ዘለዉ ክብሉ ሃናጺ ኣስተምህሮኦም ኣቕሪቦም። 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ብመራሒ መደብ ናይቲ ዕለት  ኣባ የማነ ኃይሉ  ዝተመርሐ፡ ጸሎት ዓመተ ውፉይ ሕይወት ብሓባር በጺሑ፡ ብፁዕ ሊቀጳጳስ ንነፍሲወከፍ ተሳታፊ’ዚ ንግደት ቅርያት ቅ.ያዕቆብ  ድሕሪ ኣሳሊሞም፡ ብምስጋና እቲ መደብ ተፈጽሙ። ነጋድያን ናብ ብደናግል ደቂ ፍቕሪ ሔቦ ዝእለዩ ሕጻናት በጺሖም፣ ከምቲ ክኸዱ ከለው ክምለሱ ከለው’ውን ብጸሎት መቁጸርያን ንመዝሙርን ተሰንዮም ብሰላም ነሥመራ ተመሊሶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.