2016-02-06 16:20:00

ናይ ቅዱስ ፒዮን ቅዱስ ለዮፖልዶ ማንዲችን ቅዱስ ቅርያት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ


ናይቶም ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ቅዱሳት ተባሂሎም ዝግለጹ ቅዱስ ፒዮ ዘፔትረልቺናን ናይ ቅዱስ ለዮፖልዶ ማንዲች ቅዱስ ቅሪያት በቲ እንነብሮ ዘሎና ናይ ምሕረት ዓመት ምኽንያት ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 3 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ሮማ ከምዝኣተወን እነሆ ድማ ዕለት 5 ለካቲት 2016 ዓ.ም. በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብጸሎትን መንፈሳዊ መዝሙራትን ኣዚዩ ብዘደንቕ ጥልቂ መንፈሳውነት ብዘቃልሕ ዑደት ተሰንዮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝበጽሔን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ናይ ምህለላ ጸሎትን መዝሙራትን ብምቕራብ ስለ እቶም ቅዱሳት ንእግዚኣብሔር ምስጋና ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብረላ ቸራዞ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 6 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተቐቢሎም፦

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን

እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቅድም ኣቢሎም ብፁዕ ኣቡነ ካስቶሮ ስለ ዘስምዕዎ ዘረባን ንዘቕረቡሎም ቃል ምስጋና የቐንየለይ እግዚኣብሔር ይባርኽኩም ቢሎም፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን ዝተኣኻኸብኩም መንፍሳውያን ነጋዶ ቅዱስ ፒዮ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ዝዀነ ናይ ምሕረትን ይቕረ ምባልን ጽባቔን ውህበት ዝዀነ ነቲ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ከተለለዩን ክትስዕቡን ቅዱስ ፒዮ ስለ ዝድግፈኩም ንእግዚኣብሔር አመስግን፣ ቅዱስ ፒዮ ናይ ዘይተዃለፍ ምሕረተ ኣገልጋሊ እዩ፣ ምስጢረ ንስሓ ብምስራዕ ብሓጢኣት ዝደመየ ኣልባብ ሰብ እናፈወሱ ምስ እግዚኣብሔር እናተዓረቑ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ዘምዓዙ እዮም። ኢየሱስ “ክሳብ መወዳእታ ኣፍቀሮም” (ዮሓ. 13፣1)፣ ኣብቲ ክሳብ መወዳእታ ዘፍቕር ናይ ኢየሱስ ስቓይ ውሂዶም ኣብ እንንብረሉ ዓለም ወሓዚ ምሕረት ኰይኖም ናይ ብዙሓት ምድረ በዳዊ ኣልባብ እናመስነዉ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም ናይ ሕይወት ዓይኒ ማይ ዘቖሙ እዮም።

ቅዱስ ፒዮ ብዙሓት ናይ ጸላያን ማሕበራት ኣቑይሞም እዮም፣ ኣብቲ ማሕበር ምስ ይዕሩኽ ጥራሕ ምዃን ማለት ዘይኰነስ ናይ መለኰታዊ ፍቕሪ ቤት ምዃን ዝብልን ንመላእ ሰብኣዊ ዘፍቅር ፍቕሪ ዘንብር እዩ።

ጸሎት፣ ልቢ ግላዊ ሰላም ክስምዖን ካብ እግዚኣብሔር እቲ እንደልዮ ንምርካብ ዝድግፍ መጋበርያ ኣይኰነን ከምዚ እንተዝኸውን ኔሩ ጸሎትና ፍትወት ነብስን ንኣይነትን ኰይኑ ምተፈረፈ፣ ጸሎት ንኹሉ ናብ ልቢ እግዚኣብሔር ዘቕርብ ስራሕ መንፈሳዊ ምሕረት እዩ። ከም እንጌራ እዩ፣ ኣባኻ እሜን ማለት እዩ። ሰባትን ኩነትን ንእግዚኣብሔር ምውካፍ ማለት እዩ። ኩሉ ናትካን ከም ፍቓድካን ማለት እዩ። ጸሎት ብሉጽ ኣጽዋር ልቢ እግዚኣብሔር ዝኸፍት ብሉጽ መፍትሕ እዩ። ከምቲ ኣብ ግብረ ሐዋርያት ምዕ. 1 ፍቕዲ 14 ከም ማርያምን ሓዋርያትን ኣብ ጸሎት ጽኑዓት ምዃን የድሊ። ከምዚ እንተዘይኰይኑ ኣብ ጸሎት ዘይምውካስ  ኣብ ስልጣን ሃብትን ኣብ ካልኦት ምድራውያን  ነገራት ንምውካስ ስግኣት የቃልዕ።

ስለ እቲ እትነብርዎ ናይ ጸላያን ማሕበር መንፈስ አመስግነኩም፣ ጸሎት እቲ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔአር ዝፍጸም ዝለዓለ ተግባር እዩ። ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ኣብ እተሰምየተ ዓዋዲት መልእኽቲ፦ ፍጥረት ሰብ ግብረኣዊ ፈውሲ ማለት ሕክምና ጥራሕ ዘይኰነስ ሰብኣውነት የድልዮ እዩ ዝበልዎ ሕሙማን ብግብረኣዊ ናይ ሕክምና ሙያ ንምክንኻንን ምሕዋይን ኣድላዪ እዩ፣ ፈውሲ ስጋን ፈውሲ መንፈስን ተተሓሒዞም ክኸዱ ኣለዎም። ዝሓመመን ዝዓረቐን ምእንጋድ። ቤተ እግዚኣብሔር ምዃን።

ስለ እቶም ብስጋን መንፈስን ዝሳቐዩ ከምቲ ቅዱስ ፒዮ ዝብሎ ዝነበረ ኣብቲ ዝሓመመን ዝሳቐን ኢየሱስ እዩ ዝሓምምን ዝሳቐን፣ ኣብኣቶም ድማ ህላዌ ኢየሱስ ከነስተዕሎ መታን ጸጋ እግዚኣብሔር ንለምን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.