2016-02-04 16:52:00

ብፁዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 12 ክሳብ ዕለት 17 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ መክሲኮ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንክሕብር፣ ኣብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንሃገረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወኪሎም ኣብ መክሲኮ ንኽርከቡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቴክሳስ ናይ ብሮውንሲለ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዳኔል ፍሎረስን ከምኡ እውን ናይ ኔው መክሲኮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኦስካር ክሩሰስ ከምዝሓረየ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ክሩትዝ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መክሲኮ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ዘስምዕዎ ዘረባን ዝልግስዎ ስብከትን ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝፍጽምዎ ርክባትን ኩሉ ዘጠቓልል ብቐረበ እናተኸታተለ ብምስምዐ ድምጺ ዘዘንትውን ዜናን ጸብጻባትን ዘቕርብ ናይ ገዛእ ርእሱ papafranciscoenmexico.org ብዝብል ኣድራሻ ፍሉይ መርበብ ሓበሬታ ከምዝተደርሰ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.