2016-02-04 20:35:00

ምሕረት ማለት ሓቀኛ ፍትሒ እንክኸውን ድላይ እግዚአብሔር ንኩልና ከድኅን እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ፍትሒ እግዚአብሔር ምሕረት ስለዝኾነ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓጢአተኛ ድሕነት እምበር ኩነኔ አይደልን” እንክብሉ አብ መንጎ ፍትሕን ምሕረትን ዘሎ ርክብ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፤ ካብቶም ትምህርቶም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንምክፋልን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ሥነጥበባውያን ዝቀረበ ምርኢት ተዓዚቦም “ሠናይ ዘበለ ኩሉ ብርቱ ጻዕርን ሥራሕን ስለዘድልዮ ትህኪትን ብዘይ ጻዕሪ ናይ ምንባር ሃረርታን ፈተና ምዃኖም አይትዘንግዑ” እንክብሉ ናይቲ ዘይሠርሕ አይብላዕ እውን ዝብል አዘራርባ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ደጊሞም፣

በደልን ሳዕቤኑን አብ ደረጃ ደቂ ሰባትን ምሕረት እግዚአብሔርን ብምውድዳር ከአ “ደቂ ሰባት ንዝበደለ ናብ መስመር ንምምላስ መጀመርያ ይኸስዎ ይፈርድዎ ይቀጽዕዎ መለኮታዊ ምሕረት አምላኽ ግን ይርድኦን ይቅበሎን ይረድኦን ይምሕሮን፤ እቲ ብምድራዊ ፍርድን ፍትሕን ዳርቃ መተዓረቂ ነጥቢ ዘይብሉ ኮይኑ ዝረኤ ነገራት ማለት ናይ ዓለምና ሕግታት ምናዳ ናይ ገበንን ገበን ምክልኻልን አብ ምሕረት ስለዘይምስረት እንተኾነ እቲ ሰማያዊ ናይ ምሕረት ሕጊ ግን “ፍትሒ እግዚአብሔር ምሕረት” ምዃኑ ይገልጸልና” ቢሎም፣

ቤት ፍርዲ ኅሊና

ደያኑን ፈራዶን ኮይኖም ዝቀርቡ ኩሎም ፍትሒ ከውጽኡ እንተኾይኖም ብመቅጻዕትን ካሕሳን ዝተሰነየ ናይ ቂመ በቀል ፍርዲ የቅርቡ እዚ ግን ናብቲ ሓቀኛ ፍትሒ ከብጽሕ አይክ እልን ከመይ በዚ አገባብ እዚ ንክፋእ ክተሸንፎ አይከአልን እኳ ደአ ነቲ ዝቀደመ እናዓቆርካ ክፋእ አብ ርእሲ ክፋእ ትውስኽ፤ እታ ሓቀኛ ፍትሕኸስ ናይ አምላኽና እያ እግዚአብሔር አምላኽና ንሕሰም ብሠናይ ይምልሽ፣ እዚ ፍትሒ እዚ ብቤት ፍርድን ደያኑን መሰኻኸርን ዘይኮነ ባዕልኻ ቤት ፍርዲ ባዕልኻ ዳኛ ባዕልኻ ምስክር ኮንካ ብዝግበር ናይ ኅልና መርመራ እዩ፣ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስን ካልኦት ብዙኃት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ነቶም ኅልናኦም ዝደቀሰን ዝደንዘዘን ዝበልዎ “ኦ እግዚአብሔር ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም” ዝበልዎ ነቶም ኅልናኦም ዝሸጡ እውን ሕማቅ ይገብሩ ከምዘለው ተረዲ እዎም ብጣዕሳን ንስሓን ናብ አምላኾም ንኽምለሱ ይሕግዝ እዩ፣ በዚ ከአ ልቢ እቶም ተረርቲ ከይተረፈ ናብ ምሕረትን ርኅራኄን ይቀርብ፣ እዚ መንገዲ እዚ ነቲ አብ መንጎ ሥድራቤታትና ዘሎ ቅርሕንቲ አብ መንጎ ተጻመድቲ ዝረኤ ዘይምርድዳእ መንጎ ወለድን ውሉድን ኮታስ መንጎ እቶም ርክቦም ከድኅኑ ዝደልዩ ዓቢ ሓገዝ እዩ፣

ብርግጽ እዚ ጉዕዞ እዚ ከቢድ ጉ ዕዞ እዩ፣ ንሓደ ዝበደልካ ይቅረ ክትብለሉን ም እንቲ ድኅነቱ ክትግደስን የጸግም እዩ፣ ኮይኑ ግን እታ እንኮ መንገዲ ንሳ እያ፣ እግዚአብሔር ከአ መሓርን አቦ ምሕረትን ስለዝኾነ ኩልና ክንድሕን እዩ ዝደሊ፣ ናብ መንበረ ኑዛዜ ብምኻድ ነዚ አቦ ምሕረት ዝኾነ እግዚአብሔር አምላኽና ንርከቦ፣ ምጽንናዕን ምሕረትን ክህበና እዩ ክሕግዘና እዩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.