2016-02-02 16:23:00

መሰካኽር ትንሳኤ


ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣትሒዙ እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ወርሒ መስከረም 2015 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ንዝተዋጽኡ በቢ ዓመቱ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝስመዩ ንሓደስቲ ብፁዓን ጳጳሳት ብጠቕላላ ንልዕሊ 1500 ብፁዓን ጳጳሳት ዝተውሃበ ሕንጸት ዘጠቓለለ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ንንባብ ዝበቕዔ መሰኻኽር ትንሳኤ ብዝብል ኣርእስቲ ስተደርሰ መጽሓፍ ዕለት 1 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦውለትን ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኢልሶ ደ ኸሱስ ሞንታናሪን ናይቲ መደብ ሕንጸት ኣስተምህሮ መራሒ ኣብ ኢጣሊያ ባሪን ቢቶንቶን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ካኩቺ ኣብ ዝተሳተፍሉ ዓወደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

እቲ ብዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ርክባትን ዘተን ዝተመርሔን ቀጺሉ እውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ብምርኻብ ዝተለገሱ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታት ንሓደሽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ዝተውሃበ ሕንጸት ኩሉ ጠርኒፍካ ብቕደም ተኸተል ከከም ኣርእስቱ ዘርዚርካ ከም መጽሓፍ ኣሕቲምካ ምቕራብ ብሓቂ ዓቢይ ሃብቲ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ኦውለት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ ጳጳስ ምዃን ሽመት ዘይኰነስ ንሓደ ዓቢይን ከቢድን ኣገልግሎት ልኡኽ ምዃን ማለት እዩ።  ስለዚህ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ብጉባእያውነትን ሱታፌን ዝንበርን ናይ ቤተ ክርስቲያን መጋብየ ባህርይ መገለጺ ጸዋዕታ እዩ። ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣዝዞን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውህደትን ጉባእያውነትን ዝንበሮ ኣገልግሎት እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣቡነ ሞንታናሪ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ቃል ብፁዕ ካርዲናል ኦውለት ብምቅላሕ ኣብቲ ምግምማዕ ዕለታዊ ተመክሮኡ ዝገብር ዘሎ ዓለምን ማሕበርሰብን ብትዕግስትን ኣተኵሮን ንናይ ሰብኣዊ ዕብየትን ሕንጸት ኣሚትካ ምቕራብ የድሊ። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሕ ግዜ ብፁዕ ኣቡን ንህዝቢ ዝሕልዉ መጋቢ ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ እንክብሉ ይገልጹ፣ ስለዚህ ንናይ ሕዝቢ ስቓይን መከራን ቀረባ ምዃን ዝብል ጸዋዕታ እዩ። ኣቡን ንምዃን ፍሉይ ትምህርትን መጽናዕትን ዘድሊ እውን እንተዀነ ኣቡን ዘግብር ትምህርቲ ግና የሎን እንክብሉ፣ ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ካኩቺ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ሓደ ኣቡን ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክራኽብ ዘይክእል እንተድኣ ኰይኑ ማለት ኣብ ሰበኻኡ ምስ ናይ ሰበኻኡ ካህናት ሓደ ብሓደ ክራኸብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። እዚ ብካህናቱ ኣቢሉ ድማ ንመላእ ምእመናን ሰበኻኡ ቀረባ ክኸውን ዝድግፎ እዩ።  ኣብ መንጐ ኣቡንን ካህንን ቅዱስ ምስጢራዊ ሱታፌ ምስ ዝህልው ዝኸወን ርክብ ኣዩ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናይ ስበኣዊ ኣገልግሎት ክትዋፈር ዝድርኽ ብዙሕ ኩነት ኣሎ። ስለዚህ ሓደ ኣቡን ኣብ ከምዚ ዓይነት ላዕልን ታሕን ኩነት ንካህናቱ ቀረባ ኰይኑ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሕይወት ኣብነት ኢየሱስ ምስዓብን ምንባርን ምዃኑ ለቡ እናበለን ከምቲ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝነብሮ ሕይወት ክምስክሮ ኣለዎ። እቲ ዘገድስ ኢየሱስ ምምሳል ዝብል ሕይወት ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን ዝገለጽ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.