2016-01-30 19:56:00

2ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 22 2008 ዓ.ም. (1/31/2015)


ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡12-30፥ 1ዮሓ 5፡9-ፍ፥ ግ.ሓ. 10፡30-39፥ ሉቃ 1:1-4፤ 4:14-21።   ምስባክ፡ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ፥ ግበሩ ብዓለ በትፍሥሕት በኃበ እለ ያስተሓምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምስዋዕ”። መዝሙር፡ “ናይ መድኃኒና ክርስቶስ ልደት ሓቂ እዩ፥ ልደቱ ብሓቂ ኮይኑ እዩ፥ ካብ ሰማያት ወሪዱ ብመላእኽቲ ተመስጊኑ ካብ ማርያም ተወሊዱ፥ አብ ቤተልሔም ተወልደ አብ ናዝሬት ተሓጸነ ብግሁድ ከአ ተገልጸ፥ ንሱ አኽሊል ናይ ሰማዕታት መድኃኒ ነገስታት ጓሳ አኅዛብ እዩ። እሙን ኮነ ልደቱ ብርሃን ኮነ ምጽአቱ ናይ መድኃኒና ክርስቶስ” ይብል። ልደት ክርስቶስ ብሓቂ አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ ዝተማህዘ ወይ ሰባት ክጥዕሞም ኢሎም ዝፈጠርዎ አይኮነን። ናይ ብሓቂ ኮይኑ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ለውጢ ዘምጽአ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ክአምኑ ዝተሓርዩ እዮም።

ንሎሚ ዝሰማዕናዮ ቃል አምላኽ ዘቕርበልና ቃል አምላኽ ማእከል ኩሉ ነገርናን ፍሉይነቱን አብ አመንቲ ይገልጸልና። አብ መጽሓፍ ነህምያ 8፡1-20 ዘሎ እንተ አንበብና እቶም ካብ ስደት ዝተመልሱ አይሁድ ኵሉ ዓንዩ ብዝያዳ ቤተ መቕደስ ዓንዩ ምስ ረአዩ ብጣዕሚ ጉህዮም። ዕዝራ እቲ ካህንን ጸሓፍን ቃል አምላኽ ከንብበሎም ነቶም ተአኪቦም ዝነበሩ ምስተሓተ ብዓቢ አኽብሮት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ አንቢብሎም ሽዑ ጸለዩን እቶም ሌዋያን ከአ ገለጹሎም።

አብ ወንጌል ሉቃስ ኢየሱስ አብ ቤት ምኵራብ አይሁድ አትዩ ነቶም ዝሰምዕዎ ዝንበሩ ከመይ ገሩ ልቦም ከም ዝተንከፈ ይነግረና። እቲ ፍሉይ ነገር አብዚ እንርእዮ ኢየሱስ ብዙዕባ መደብ ተልእኮኡ ገሊጹ፥ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ ልዕለይ አሎ፥ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕዉራት ምርአይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ከበሥር፥ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለአኸኒ”። 

ኢየሱስ አብዚ ዓለም ዝመጽአ ወንጌል ክሰብኽ እዩ በዚ እዩ ኸአ ካብ ነብይ ኢሳያስ (61፡12) ጠቒሱ እዚ ዝተነበ ሎሚ አብ ኣዛንኩም ተፈጸመ ዝበሎም። ንሱ እቲ ቃል ከም ዝኾነ ገሊጹ አብ መንጎ ደቅሰብ ከአ ኃደረ። እዚ በቲ ዝበሎ ቃል ጥራሕ አይኮነን ተረጋጊጹ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ እውን አረጋጊጽዎ እዩ። ክርስቶስ ነዚ ካብ ኢሳያስ ዘንበቦ እምብአር ተልእኮኡን አገልሎቱ ክእውጅ እንከሎ ናይ ሰላም ግዝአት፥ ርትዒ፥ ሓርነትን ፍቕርን ንኹሎም እቶም ብዝተፈላለየ ግፍዕን ዓመጽን ዝሳቐዩ ዘምጽእ ምዃኑ ገሊጹ።

ቃል አምላኽ ኵሉ ጊዜ መጠን ዘንበብናዮ አብ ልብና ሓጎስና ከብዝሓልና ካብ ጸልማት ነጻ ክገብረናን ይግባእ። ቃል አምላኽ ናይ አምላኽ ድለት እንታይ ከምዝኾነ ብጭቡጥ ምልክታትን አምሳልን ንሕና ብእንርድኦ ገሩ ይገልጸልና። እዚ ምልክታትን አምሳልን አብ ውሽጦም አብ ሕይወትና ለውጢ ዘምጽእ ኃይሊ አልኦም። ልዕሊ ኹሉ አብኡ ኢየሱስ እቲ ዘለዓለማዊ ቃል ዝኾነ ይግለጽ። 

እስራኤላውያን ቃል አምላኽ ምስ ሰምዑ ዓቢ ሓጎስ ተሰሚዕዎም። አብ ወንጌል ንኢየሱስ ምስ ሰምዕዎ በቲ ካብ አፉ ዝወጽእ ዝነበረ ጸጋ ዝመልኦ ቃላት ተደኒቖም። ቃል አምላኽ ምስ ሰማዕካ/ኪ እንታይ እዩ አባኻ/ኺ ዝርአ። አብ አብያተ ክርስትያናትና እንተ ረአና ብዙሓት ንዝንበብ ቃል አምላኽ አይሰምዕዎን እንታይ ከም እተነበ ዘስተውዕሉ ብዘይመጠን ውሑዳት እዮም። ብዙሓት ቃል አምላኽ ክሰምዑ ከለዉ ደስ አይብሎምን ብፍላይ ንስብከት ይጸልኡ ስለዚ ቀልጢፎም ይወጹ ድሕሪ ወንጌል ወይ ድሕሪ ስብከት ይመጽኡ፥ ገለ ኸአ ጊዜ ስብከት ይድቅሱ ወይ ይታኸሱ፥ ገለ ኸአ እናሰምዑ ሓሳቦም ቀልቦም አብ ካልእ ይኸይድ ዝሰምዑ ይመስሉ ግን ሰውነቶም እዩ ዘሎ እምበር አብ ካልእ እዩ ዘሎ መንፈሶም።

አብ ገለ እዋናት ቃል አምላኽ ክሳብ ክንደይ ክቡር ከምዝኾነ ንርስዕ ኢና ነዚ አብነት ክኾነና ነዚ ታሪኽ ንስማዕ። ብ1964 መንግስቲ ሮማንያ እሱራት ሃይማኖትን ፖሎቲካን ፈቲሑ። ካብዚኦም ሓደ ሪቻርድ ዉርምብራንድ ዝብሃል ካብተን 14 ዓመት ዝተአስረን 3 ዓመት ንበይኑ አብ ሓንቲ ንእሽቶይ ጸባብ ክፍሊ አሕልፍዎ። አብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ “In God’s Undergrawnd” (ገጽ 106-107) አብ ዘሎ ክገልጽ እንከሎ ሓደ መዓልታ ሓደ ሓዲስ እሱር “አቭራም” ዝተባህለ መጺኡ። ሰውነቱ ብምልኡ ብምቕጥቃት ምስቲ ዝነበሮ ጨርቃም ክዳኑ ለጊቡ እዩ ነሩ። እቶም ዝብዓኛታት አብቲ ክፍሊ ማእሰርቲ ምስ ደርበይዎ ካብቲ ሓቢእዎ ዝነበረ ሓደ አረጊት መጽሓፍ/ወረቐት ወዲቑ። እቶም እሱራት ንዓመታት መጽሓፍ ርእዮም አይፈልጡን እዮም ነሮም። መጽሓፉ እንታይ ከምዝኾነ ሓቲቶሞ፥ ወንጌል ዮሓንስ እዩ ነሩ። ዉርምብራንድ አብ ዝጸሓፎ አብ ሕይወቱ ከምዚ መጽሓፍ ገሩ ዝለወጦ አብ ሕይወቱ አይነበረን ወላ እቲ ሕይወት ዘድሕን መድኃኒት እውን ከምኡ አይለወጦን። ካብታ መዓልቲ እዛ አረጊት መጽሓፍ አብ ኵሎም እሱራት በጺሓ ገሊኦም ቃል ንቓሉ አጽኒዖሞ፥ መዓልቲ መዓልቲ አብ መንግኦም ይካትዑሉ ነሮም። ንኵሉ ኩነታቶምን መንፈሶምን ለዊጥሎም። እዚ ዘዘኻክሮ አብ ገለ እዋን ጥቕሚ ቅዱስ መጽሓፍ አብ ሕይወትና ንዝንግዖ ኢና ግን እንተ አንበብናዮ ዓቢ ለውጢ የምጽአልና።

፪ይ ጉባኤ ቫቲካን ጥቕሚ ቅዱስ መጽሓፍ ክገልጽ እንከሎ ቤተ ክርስትያን ከምቲ ንሰውነት ክርስቶስ እተኽብር ከምኡ ንቅዱስ መጽሓፍ ከአ ተኽብሮ (ቃል አምላኽ 11) እዚ ግን ብሓደ ዓይነት አምላኾ አይኮነን። ትምህርቲ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን አብ ቍ. 103 ሓደ ዓይነት አገላልጻ ይደግም። ኢየሱስ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ስለ ዘሎ ተኽብሮዶ? ኦሪጀን ዝተባህለ ጽሓፋይን ሰባኻይን ከምዚ እናበለ ይገልጽ፡

“ንሰውነት ጎይታ ብዝበለጸ አኽብሮትን ተገዳስነትን ኢኹም ተቐቢልኩም ዘሎኹም ስለዚ ወላ ንእሽቶይ ርፍራፍ ትውደቕ ብዓቢ አኽብሮት ክተልዕልዋ ይግባእ። ንቃል አምላኽ ከአ ብሓደ ዕይነት አኽብሮት ክትግደሱሉ ይግባእ፥ እታ ዝንአሰት ቃል እውን አብ መሬት ከይትወድቕ እሞ ከይትጠፍእ ክትግደሱላ ይግባእ” ይብል።

መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ከሎና ነዚ የዘኻክረና አብ አብኡ ቃል አምላኽን መስዋዕተ ቅዳሴን ንካፈል። መጀመርያ ቃል አምላኽ ንምገብር ቀጺልና ሰውነት ክርስቶስ ንምገብ።

ከም ክርስትያን ንክርስቶስ አብ ሕይወት ሰባት እነምጽእ ንሕና ኢና እዚ ከአ ወንጌል ብምስባኽን ብምምስካርን እዩ፥ ከም ዕዝራ ንእስራኤላውያን ዘምጽአሎም ንሕና እውን ንሰባት አብ ሕይወቶም ለውጢ ከምጽኡ ቃል አምላኽ ክነምጽአሎም አሎና። አብ ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና ስለዚ ዘይልወጥ ቃል አምላኽ ክነምጽእ አሎና። ድኻታትን ሕዙናትን ዘጸናንዕ ቃል አምላኽ ይደልዩ፥ አብ መንጎና አፍልጦ ዝጎድሎም ዘብርህ ቃል አምላኽ የድልዮም፥ ሕሙማት ዘሕዊ ቃል አምላኽ የድልዮም። በዚ ኢና አብሰርቲ ቃል አምላክ ክንከውን ዘሎና። አብኩሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ቃል አምላኽ ከም ዝስማዕ እንገብር ንሕና ኢና።

ቅ. ጳውሎስ በዚ ምኽንያት ንማሕበር ክርስትያን ምስ ሰውነት ሰብ እናአወዳደራ አድላይነት ቃል አምላኽ ይገልጸልና። ሰብ ብዝተፈላለዩ አካልት ቆይሙ እንከሎ ነፍስወከፍ አካል ፍሉይ አገልግሎት ንምልእ ሰውነት ዘገልግል ይገብር። ክርስትያን ከም ሓደ ሰውነት ዝተፈላለየ ጥቕምታትን እንበጽሖ ዓላማን አሎና። እዚ ጥቅምታትን ዓላማን ግን ምስቲ መንፈሳዊ ውህበት ካብ አምላኽ ዝተቐበልናዮ አተሓሒዝና ክንርእዮ አሎና።

ጳውሎስ ሓድነት ለቢስና ብሓባር ከም ሰውነት ክርስቶስ ክንዓዪ የተባብዓና። ነዚ ክንፍጽም ናይ ነፍስወከፍ ሰብ አድላዪነት ወይ ጥቕሚ ክንሓስብ አሎና። አብ ማሕበር ክርስቶስ ዕርቂ፥ ምርድዳእ፥ ሓቅን ምክብባር አድሕድን ክህሉ ይግባእ።

ስለዚ አብ ሕይወትና እንታይ አሎኒ ብፍሉይ አነ ከበርክቶ ዝተወሃብክዎ ወይ ክገብሮ ዘሎኒ ኢልና ንርእስና ክንሓትት አሎና። ንአብነት አብ ምሕደራ ወይ መምህር ወይ አውቲስታ፥ ሓኪም፥ ካህን፥ ኮና ነገልግል ኢና ኵሉ ግን ንህንጸት ህዝቢ አምላኽ እዩ። በቲ ዘሎና ክነገልግል ወንጌል ክንሰብክ እንከሎና ሽዑ ቃል አምላኽ አብ ኵሉ ይበጽሕ አሎ ክንብል ንኽእል። ንክርስቶስ አብ ቤት ስራሕና አብ ቤት ትምህርቲ ልዕሊ ኹሉ አብ ስድራናን ሓዳርናን ክነምጽኦ አሎና። ሎሚ ንክርስቶስ ነቲ ቃል አምላኽ አብ ዓለም ብዙሓት አሕዋትና ከምዝፍለጥ ንገበሮ።

ንቃል አምላኽ ከመይ ንሰምዖ? አብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት አብዚ ክንመጽእ እንከሎና ቃል አምላኽ ንሰምዕ። ንገዛና ክንምለስ እንከሎና ካብ ዝሰማዕናዮ ንገዛና ክንወስድ፥ ቃል አምላኽ ክነንብብ ይግባእ። ንርእስና ዝተነበ ቃል አምላኽ ምስ ሰማዕና “አምላኽ እንታይ ይብለኒ አሎ” ኢልና ክንሓትት አሎና። ንቃል አምላኽ ዘይንሰምዕ እንተ ኾና ክነግር ክንሰብኽ አይንኽእልን ኢና። ቤተ ክርስትያን አብ ቅዱስ መጽሓፍ ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝዛረበና ትብለና (ቅዱስ ጉባኤ 7)። ስለዚ ንቃል አምላኽ ዘንብብ ከም ዝስማዕ ክገብር አለዎ። አምላኽ ብአይ አቢሉ ከም ዝዛረብ ክገብር አሎኒ። ብቃልና ብድምጽና ብአቋቑማና ብኹሉ ገሩ ኢየሱስ ንሰባት ይዛረቦም።

ቅ. መጽሓፍ አብ ገዛውትና ክነንብቦ ከሎና ቃል አምላኽ ንሰምዕ። አብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ንአእምሮና ብቃል አምላኽ ክንምግቦ ይግባእ። አብ ስድራ ቤት ከም ናይ ስድራ ጸሎት ብሓባር ክንብብዎ ዝበለጸ እዩ። ቅ. መጽሓፍ ከፊትና ሽምዓ ወሊዕና ነንብቦ እዚ ኽአ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ነንብቦ ከምዘሎና ክንሓስብ እዩ። ቅ. መጽሓፍና አብ ገዛና አብ ዝርአን ፍሉጥን ቦታ ነንብሮ ብቐሊል ክንርእዮን ክነንብብ ክንዝክር ምእንትን። 

ቅ. ጎርጎርዮስ አብ ዝጸሓፎ “ቅ. መጽሓፍ ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ ካብ አምላኽ ንህዝቡ እዩ፥  አብኡ ልቢ አምላኽ ክንርዳእ ንኽእል” ይብል። ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ አምላኽ ንአኻ ዝኾነ ዕለት ዕለት አንብቦን ስምዓዮን። ቅ. ጂሮም ከም ዝብሎ ኸአ “ድንቍርና ቅዱስ መጽሓፍ ድንቍርና ክርስቶስ እዩ” ይብል። ቃል አምላኽ አብ ቅ. መጽሓፍ ምሕረት የምጽአልን አብ ሕይወት ንዝጓነፉና ጸገማት ከም እነሸንፍ ይገብረና።

አብ መዝ 119፡105 “ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ” ከም ዝበለ አእምሮና ዕለት ዕለት ብቅ. መጽሓፍ ንመግቦ ናይ ፍቕሪ መልእኽት ካብ አምላኽ እዩ።

ክርስቶስ ሎሚ ባዕሉ ከም ዝብለና ቃሉ እንተ ሰማዕና ሓራ ክንወጽእ ኢና እዚ ኸአ መጀመርያ ካብ ባዕልና ዘምጻእናዮ ባርነት ገዛእ ኃጢአትና። እዚ አብ ሕይወትና ደጋጊምና ባዕልና እነምጽኦ እዩ ካብኡ ሓርነት ክንለብስ የድልየና። ሳዕበኑ ብመንፈስ ንስደት፥ ንዓውር ንጸምም። ንመንፈሳዊ ሕይወትና የሕምሞ፥ ልብና አንጻር አምላኽን ዝኾነ ጽቡቕ ነገርን ይኸይድ። ካብዚ ባርነት ሓራ ከውጽአና ዝኽእል ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። ነዚ ክንበጽሖ ነቲ ሰናይ ዜና ክንቅበል አሎና። ዕርቂ ምስ ክርስቶስን ምስ ርእስናን ክንደሊ አሎና።

ኦ አምላኽ ቃልካ ክንሰምዕ ጸጋኻ ዓድለና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.