2016-01-28 19:26:00

ዝሳቀ ዘሎ ሰብ አብ ዘስመዖ ገዓር ምሕረት አየጽቅጥን፣ ር.ሊ.ጳ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸክሶስ ትማሊ አብ ዝሃብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ “ብዓመጽን ባርነትን ንሞት ናይ ዝተፈርዱን ብጭቆና ዝሳቀዩን እንክግዕሩ ምሕረት ዘዘውትር ሸለል ክብል ወይ ከጽቅጥ አይኮነሉን እዩ” እንክብሉ አብ ዓመት ምሕረት ዘተኰረ አስተምህሮ ምስ ሃቡ ነዙይ ዕድል እዙይ ብምጥቃም አብ ሥድራቤታት ሰላም ንክወርድ ንምምሕሓር አይንደንጉ ቢሎም፣

መላእ ቅዱስ መጽሓፍ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት እንክትንትን አብ ነፍሲወከፍ ምዕራፍ ምሕረት እግዚአብሔር ከምዝግለጽ ዘስተምሃሩ ቅዱስነቶም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቲ ብናይ አሕዋቱ ቅንኢ ከም ባርያ ዝተሸጠ ዮሴፍ ብምዝካር ክንዲ ሕነ ምፍዳይ ልቢ አ ዕብዩን ልቡ ከፊቱን ምስ አሕዋቱ ከምዝተዓርቀን ከምዝረድኦምን አዘካኺሮም፣ “ብዙሓት አሕዋትን አሓትን ከምዚ ናይ ዮሴፍ ዘጋጠሞም ብገዛእ ወገኖም እውን ከይተረፈ ዝተጠልሙን ሕጣሞም ጠፊኡ ዘሎን እንክዝኽር ብጣዕሚ የተሓሳስበኒ፣ ኮይኑ ግን እዚ ዓመት ናይ ምሕረት ነዚ ቁስልታት እዚ ንምፍዋስን ነቲ ሕማቅ ነገራት ሸለል ብምባልን ብምርሳዕን እንደገና ከም አሕዋት ተራኺቦም ክተሓቋቈፉን ክመሓሃሩን ግዜኡ እዩ፣ ምሕረት ምዝውታር ማለት ልብኻ ከም ናይ እግዚአብሔር ልቢ ለዊጥካ ነቶም ብዝተፈላለየ ጸገማት ዝሳቀዩን ብተስፋ ቍርጸት ዝግዕሩን ዘለው ድኻታት ክትሰምዕን ክትረድኦምን የድሊ፣ እግዚአብሔር ወትሩ ለጋሳት ሰባት እናአተንሰኤ ንድሕነት እዞም ሰባት እዚኦም ከምዝሠርሕ ንዕዘብ፣ አብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን አብ ዘመንናውን ከይተረፈ ብዙሓት ብናይ ባርነትን ጭቆናን ዓመጽን ሓለንጊ እናተገርፉ ከእውዩን ክግዕሩን ዓቅሚ ተሳኢንዎም ንምልከት፣ እግዚአብሔር ከአ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብምሕረቱ ክሓልየሎም ንዕዘብ፣” እንክብሉ እግዚአብሔር ወትሩ ከምዝረድአና ከምቲ ንሕና ንገብሮ ሸለል ከምዘይብልን ከምዘየጽቅጥን አመልኪቶም፣ ሎሚ ከም ሎሚ አብ ኩሉ ቦታታት ምናዳ ከአ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘጋጥም ንዘሎ ስደትን መከራን አውያትን ክንምልስ እዋኑ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር ንንግደት አብ ሮማ ንዝርከቡ ካብ ኢራቅን ካልእ ቦታን ንዝመጹ ሰላምታ አብ ዘቅረቡሉ እዋን ከምቲ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ንምውጻእ መጀመርያ ካብ ማይ ውሒዥ ናይል ብምሕረቱ እግዚአብሔር ናይ ዘድሓኖ ሙሴ ምሳሌ ብምዝካር ሎሚ እውን እግዚአብሔር ከምቲ ብመልኮታዊ ሓልዮቱ ንሕዝበ እስራኤል ብማእከል ቀይሕ ባሕሪ ናብ ናጽነት ዝመርሔ ክምሕረናን ክሕግዘናን ናባኡ ንማህለል ቢሎም፣ ከምቲ ሙሴ ምስ እግዚአብሔር ኪዳን ምስ አተወ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ሓርነትን ምሕረትን ዝመርሔ ንሕናውን ሎሚ ምስ እግዚአብሔር ኪዳን ብም እታውን ነዚ ኪዳን ብምዝካርን ናይ ምሕረት መማህራን ክንከውን ነቶም አብ ሥቃይ ንዝርከቡ አሕዋትናን አሓትናን ክንረድኦም አሎና፣ ምሕረት እግዚአብሔር ወትሩ ንምድሓን እዩ፣ ተጻይ ምሕረት አምላኽ ዝሰርሑ ውግእን ጽልእን እናቈስቈሱ ንጥፍ አትን ቅትለትን ይሰርሑ አለው፣ ንሕና ግን ደቂ እግዚአብሔር ስለዝኾና ከምቲ ሙሴ ምስ አምላኽ ኪዳን ብም እታውን ነቲ ኪዳን ብምሕላውን መጀመርያ ን ር እሱ ዝደሓነ ደሓር ከአ ንሕዝቢ እስራኤል ዘድሓነ አብነት ንከተል፣ አብዚ ቅዱስ ዓመት ናይ ምሕረት ኢዮቤል እግዚአብሔር ክምሕረና ንሕናውን ብወገና ነሕዋትና ምሒርና ም እንቲ ክን ክ እል ልባትና ክኸፍተልና ንለምኖ፣ ከምቲ ንሱ ዝመሓረና ንሕና እውን ወረስቲ ናይዚ ምሕረትዚ ንኹን” እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.