2016-01-28 16:10:00

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶ ኣብ ፊሊፒንስ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


እቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክቡር ተስፋ እዩ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሐ መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ዕለት 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ዝተረኽቡን ብቕድስነቶም ዝተሰምዩ ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉባኤ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ዘጠቓለለ ዘረባ ብምስማዕ ከምእተጀመረ ቅድም ክብል ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሶን ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ቅዱስ ቁርባን ገነት ኣብ ምድሪ” እዩ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ምድራዊ ሃብት ኵሉ ምስ ድኽታት ተኻፊልካ ንምንባር ፍጥረትን ተፈጥሮን ክንከናኸን ዝዕድመና እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲይ ቫቲካን ሾን ፓትሪክ ሎቨት ሓቢሮም።

ብምኽንያት እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣሞርኰይዞም ኣብታ ሰበኻ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣባ ልዊጂ ከርሽባመር ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ሰበኻ ሰቡ ኣብ ዝርከባ ቁምስናታትን ኣባይቲ ጸሎትን ገዳማትን ብምኽንያት እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ቀጻሊ መደብ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ይካይድ ምህላዉ ሓቢሮም፣ መዓጹ ቤተ ክርስቲያን ክፉት እዩ፣ እቲ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ፊሊፒስን ሰበኻ ሰቡ ክካይድ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክውስኑ እታ ኣብ መላእ እስያ ብዝሒ ካቶሊክ ምእመን ዝርከብዋ ሃገረ ፊሊፒንስ ብከተማ ሰቡ ኣቢሉ ወንጌል ዝኣተወሉ ዝኽሪ መበል 450 ዓመት ግምት ብምሃብ ምኻኑ ኣዘካኺሮም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ ፊሊፒንስ 90 ሚእታዊ ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓቢ እዩ፣ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ልኡካን ይሳተፉ ምህላዎም ጠቒሶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፊሊፒንስ ዝዓርጉ ዘለዉ መስዋዕተ ቅዳሴታት ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝተተሓሓዘ እዩ ኢሎም።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፊሊፒንስ በዓለ ቅዱስ ሕጻን ተባዕሉ እዩ በቲ በዓል ምኽንያት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ዘሳተፈ ናይ ሹድሽተ ኪሎ ሜትር መንፍሳዊ ዑደት ተፈጺሙ እዩ፣ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት እውን ከምእተሳተፉን እቲ መንፈሳዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ሽዱሽተ ሰዓት ዝወሰደ ምንባሩን ብሓቂ ናይ እምነት መግለጺ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ እዚ ኹሉ ንኽብሪ ሕጻን ኢየሱስ በቢ ዓመቱ ብመንፈሳዊ መዝሙራትን ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ተሰንዩ ዝቐርብ መንፈሳዊ ዑደት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.