2016-01-28 16:15:00

መዓልቲ ተዘክሮ


በቢ ዓመቱ ዕለት 27 ጥሪ ምስቲ ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ናይ ሶቪየት ሓይሊ ምክልኻል መዓጹ እቲ ስርዓት ናዚ ሕልቂት ዘርኢ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓምቲ በዘስካሕክሕ ተግባር ንሞት ዝዳርገሉ ዝነበረ መዳጐኒ ሰፈር ኣውሽዊዝ ዘውደቕሉን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ናዚ ዓወት ዝተዓትረሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ዝኽበር መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ መላእ ሃገራት ኤወሮጳን ሃገራት ዓለምን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ብመዓልቲ ዝኽሪ ምኽንያት ካብቲ ናዚ ስርዓት ዝፍጽሞ ዝነበረ ሕልቂት ኣውሽዊዝ ዝተረፉ ኢጣሊያ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓቢ ኣልበርቶ ሜየሊ ድሕሪ 71 ዓመት እቲ ዘሕለፍዎ ገሃነማዊ ተመክሮ ንፋልማ ጊዜ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እንክግለጹ፦ እቲ ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ተመክሮ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ትምህርቲ እናተዘዋወሩ ከምዘዘንትውዎን እቲ ዝተፈጸመ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ከይርሳዕን እቲ ዘየሕለፎ ክርድኦ ዘጸግሞ እውን እንተዀነ ክፈልጦ ሰለምታይ ተመሳሳሊ ሕሊቅት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ከይፍጸም ብዝብል ዕላማ መጻኢ ወለዶ ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ንምሕናጽ ታሪኽ ምዝንታውን ንመጻኢ ወለዶ ምትሕልላፍ ናይ ግድን እዩ።

በዛ ዕለት እዚኣ እቶም ካብቲ ሕልቂት ንምድሓን ዘይተዓደሉ ብጾተይን መማህርተይን እዝክር ቢሎም እቲ ኣብ ኣውሽዊዝ ዝተፈጸመ ብሕይወቶም በዕይንቶምን ዝረኣይዎን ዝነብርዎን ምዃኑ ድማ ገሊጾም፣ ሕጻናት ደቂ ሽዱሽተን ሸውዓተን ወርሒ ከም ጨራሩ ተሓዲኖም እዩም። ክትዝክሮን ክትሓስቦም ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ሕልቂት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ስብ ከመይ ቢሉ ክፍጸም ከምዝኸኣለ ክትግምቶ ዘደንጽው እዩ። ሰብ ንሰብ ሰብ ኰይኑ ኣክድኒ ዝቐርብ ቀታሊ ኰይኑ ይቐርብ። ይዝከረኒ እቶም ወተሃደራት ናዚ ዕለተ ሰንበት በኣልኰላዊ መስተ ደንዚዞም  10 ድዩ 20 ሰባት ካብቶም ዝተዳጐኑ እናሓረዩ ይቐትሉ ከምዝነበሩን፣ ብምቕታል ናይ ካልእ ሕይወት ንሞት ብምሕላፍ ይዘናግዑ ከምዝነበሩን ገሊጾም፣ ንኻልእ ብምቕታል ምዝንጋዕ ክትርድኦን ክትሓስቦም ክትግምቶን እውን ዘይከኣል ሰይጣናዊ ተግባር እዩ። ኣነ ነዚ ዅሉ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ይብሉ ብዓይነይ ዝረኣኹ እየ። ኣብቲ እዋን እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ? እቲ ዘለኣለማዊ ኣቦ ዝበሃል ፈጣሪ ኣበይ ኣሎ? እቲ ዅሉ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ክፍጸም ከመይ ቢሉ ይፈቅድ? ኵሉ ዝከኣሎ እንተድኣ ኰይኑ ኣበይ ድኣ ኣሎ? ዝብል ናይ ህላዌን እምነትን ሕቶ ኣብ ኣእምሮኻ ይመላለስ፣ እዚ ሕቶ ኩላትና ኢና እነቕርቦ፣ ተመሊስና ግና ንጽልይን ነምልዀን፣ ሰብ መጋበርያ ሰላም ወይ ከኣ መጋበርያ ጥፍኣት ክኸውን ናቱ ምርጫ እዩ፣ እግዚኣብሔር ዝፈቕዶ ኣይኰነን ሓይልናን ብቕዓትናን ንሰናይ ምስ እንጥቀመሉ ጥራሕ ኢና ተዓወትቲ እንኸውን እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.