2016-01-26 16:27:00

ብፁዕ ካርዲናል ቦ፦ ቅዱስ ቁርባን ንናይ ድኻታት ልዑል ሰብኣዊ ክብር ፋኑስ እዩ


መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ዕለት 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ከምእተኸፍተ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ጉባኤ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ዝተረኽቡን ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመሩን ብቕድስነቶም ዝተሰምዩ ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ፦

ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ስእነት መግብን ጥምየትን ገበን ምጽናት ዘረኢ ሰብ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ይብሉ፦ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጥምየትን ስእነት መግብን ገበን ኣብ ልዕሊፍ ጥረት ሰብ እዩ። ገበን ምጽናት ዘርኢ ሰብ እንክብሉ ድማ ሰምዮም፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ድኽነት ምስ ቅዱስ ቁርባን ብምትሕሓዝ ቅዱስ ቁርባን ፍትሒ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ብጥምየት ኣብ ዝሳቐየሉ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ምህርቲ ናይ ውግእ ኣጽዋር ክጓየያ ግሊኣተን ድማ ኣብ ሸመተ ክቀዳደማ ምርአይ ክንደይ የሕዝን እዚ ድማ ዘይፍትሓውነት ጸረ ሰብኣዊ ገበን እዩ። ቅዱስ ቁርባን ናይ ሰብን ድኻታትን ሰብኣዊ ክብሪ ፋኑስ እዩ። ቅዱስ ቁርባን ክብርናን ፍትሕናን እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቅሩባን ተሳተፍቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከም መንፈሳዊ ነጋዶ

ኣብቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ተስፋ ክብሪ እዩ ብዝብል ቃል ተመሪሑ ናብ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ ድላይ ዝገበሩ ናይ ፖሊቲካ ኣካላት ከም መንፈሳውያን ነጋዶ ኰይኖም ክሳተፉ ከምዝግብኦምን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ናይ ዜናን ክፍሊ ርክባትን ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሶፈፍ ታን ገሊጾም፣ ብፍላይ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓ.ም. ሕዝባዊ መረጻ ክካይድ ምዃኑን ዘኪሮም እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዕዱማት ናይ ፖለቲካ ኣካላት እቲ ጉባኤ ንናይ ምረጹኒ ፖለቲካዊ ጎስጓስ መጋበርያ ከይጥቀምሉን እቲ ኣብቲ ጉባኤ ምስታፎም መንፈሳውያን ነጋዶ ምዃኖም ከረጋግጹ ይግባእ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ቁርባን ንእውነተይና ርኽበት ውህደት

ኣብ ፊሊፒንስ ንዝርከብ ጨንፈር ማሕበር ዶመኒካውያን ኣባል ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ገራርድ ፍራንሲሶ ቶሞነር፦ ብወገድኖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዅሉን ናይ ኩሉን ሕዝቢ ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ቅዱስ ቁርባን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ባህርይ ዝገልጽ ፍጹም ናይ ድሕነት ክብሪ እዩ፣ ቅዱስ ቁርባን ናይ ውህደትን ሓድነትን ምንጪ እዩ። ስለዚህ ምግምማዕ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጸጋ ምንጻግ ማለት እዩ፣ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ይዅን ኣብ ማሕበረሰብን ሕብረተሰብን ዝፍጠር ምግምማዕ ንናይ ቅዱስ ቁርባን ጸጋ ምንጻግ ማለት እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።       








All the contents on this site are copyrighted ©.