2016-01-26 16:23:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ስለ ምግምማዕ ማሕበረ ክርስቲያን ይቕረታ ንሕትት


ስለ ሓድነት ክርስቲያን ኣሚቱ በቢ ዓመት ኣብ ወረሒ ጥሪ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካይድ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ናይ 2016 ዓ.ም. መደቡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብናይ ሮማ ሰዓታ ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ተረኺቦም ብዝመርሕዎ ጸሎተ ዘሰርክ ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም እቲ ናይ ለምዘበን ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሳምንቲ “ንስኻትኩም ግና ለውሃት እቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ሕሩይ ወለዶ ናይ መንግስቲ ክህነት ቅዱስ ሕዝቢ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ሕዝቢ ኢኹም” (2ጴጥ. 2። 9) ብዝብል ቃል ሓድሽ ኪዳን ዝተመርሔ ምንባር ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም እቲ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ዝተፈጥረ ኣብ ኣካል ጐይታና ኢየሱስ እቲ ስቓዩ ገና ህልው ዝገብር ምዃኑን ስለ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ምግምማዕ ንእግዚኣብሔር ምህረት ንለምን። ምግምማዕ ዘይወንጌላዊ ተግባርን ኣመልን እዩ፣ ስለ እቲ ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንሕና ካቶሊካውያን ነተን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ይቕረታ ንሓትት ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘለገሱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፦ እቲ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሳምንቲ ብላቲን ሥርዓት ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት 25 ጥሪ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ምዃኑ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.