2016-01-23 16:13:00

ኣዋጅ ቅድስናን ብፁዕናን


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ዘቕረብዎ ናይ ሰለስተ ቅዱሳንን ናይ ሸሞንተ ብፁዓንን ናይ ክልተ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን ናይ ኣዋጅ ሰነድ ተቐቢሎም ከምዘጽደቕዎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ተወላዲ ፖላንድ ኣብ 1600 ዓመታት ዝነበሩ መስራቲ ማሕበር ኣገልገልቲ ደቂ ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ናይ ስነ መደረ ሊቅ ኣበ ነፍስን ሰባኽን ኣናዛዝን ስታኒዝላው ዘኢየሱስን ማርያምን ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሰበኻ ካህን ቅዱስ ኣቦና ብዙሕ ጊዜ ናይታ ናብ ደጋዊ ክፍሊ ከታማታትን ሰብኣውን ማሕበራዊ ኩነትን ናይ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን ኣብነት እንክብሉ ዝገልጽዎም ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱን ጁዘፐ ጋብሬለ ዘሮሳሪየም ብሮከሮን ከምኡ እውን ዓለማዊ ምእመን መክሲካዊ ኣብ 1928 ዓ.ም. ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ናይ ናይ እምነት ሰማእት ዝዀነ ጁሰፐ ሳንቸዝ ዘሪዮን እንቶም ቅድስና ዝኣወጀሎ ክዀኑ እንከለዉ፣ እቲ ንቕድስና ዘብቅዓም ብኣማላድነቶም እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ናይ ፈውሲ ጸጋ ሓቂ ዝብል ሰነድ ቅዱስ ኣቦና ከቲሞም ፍቓድ ኣምላኽ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

እቶም ብፅዕና ዝእወጀሎም ካብ 1857 ክሳብ 1931 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበሩ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፍራንቸስኮ ማሪያ ግረኮን መስራቲ ማሕበር ደናግል ግብረ ትሁታን ደቂ ቅዱስ ልብን ተወላዲ ኢጣሊያን ከምኡ ኣውን ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር ኤልሳበታ ሳና ናይ ሳልሳይ ሥርዓት ፍራንቸስካውያን ኣባል ዓለማዊት ምእመን ኢጣሊያዊትን ጀርመናዊ ኤንገልማር ኡንዘይቲግ ኣብ 1945 ዓ.ም. ዝተቐትሉን ጀናሮ ፉየዮ ካስታኞን ኣብ እስፐይን ናይ ሰበኻ ካህንን ምስ ሰለስተ ብፆታሞን ኣብ 1936 ዓ.ም. ናይ እምነት ሰማእትነት ዝተቐበሉን፣ ጃፓናዊ ጁስቶ ታካያማ ኡኮን ናይ ካቶሊክ እምነት ዝተቐበለን ኣብታ ሃገር ንእምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መገዲ ዘቕንዔን ስለ እምነቱ ኣብ 1615 ዓ.ም. ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበለ ብፅዕና ክእወጀሎም ምዃኑ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፦ ካብ 1849 ክሳብ 1909 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበሩ ኣባል ኣሃው ማሐብር ካፑቺን ኣርሰኒዮ ዳ ትሪጎሎን ካብ 1826 ክሳብ 1886 ዓ.ም. ብሕይወት ዝነበራ ኢጣሊያዊት ማሪያ ልዊዛን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ክእወጀሎም ምዃኑ ኣፍሊጠን።    








All the contents on this site are copyrighted ©.