2016-01-23 16:08:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ሓደ ብፁዕ ኣቡን ዘይጽልይ ምስ ዝኸውን ሕዝበ እግዚኣብሔር ይሳቐይ


ውትሩ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 22 ጥሪ 2016 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ብላቲ ስርዓት ናይ ዕለቱ ምንባባት ካብ መጽሓፈ ሳሙኤል ቀዳሚ ምዕ. 24 ካብ ፍቕዲ 2 ክሳብ 21ን ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 19 ምስ ተነበ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ሓዋርያት ከምዝሓረየን ዝሓረየን፣ ምስኡ ክተርፉን ኣብኡ ክተርፉን ምስኡ ክዀኑን ኪሰብኩን ብቃል ኣምላኽ ብስልጣን ኣጋንንቲ ናይ ምውጻእ ሓይሊ ብምሃብ ክእውጁን ጸወዖም፣ እዞም 12 ቅድም ቀዳድም ብፁዓን ጳጳሳት እያቶም፣ ድሕሪ ሞት ይሁዳ ማቴዎስ ይሕረይ ሕርየት ማተዎስ ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ብቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ቀዳማይ ስሜተ ጵጵስና እዩ። ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ መሰኻኽር ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን እያቶም ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ብፁዓን ጳጳሳት ህላዌ ክርስቶስን ትንሳኤን ጐይታ ሓቢሩ ምሳና ከምዝጓዓዝን ህልውን ዘድሓነናን ሕይወቱ ስሌና ኣሕሊፉ ከምዝሃበናን ተስፋና ከም ዝዀነ ንኹሉ ዝቕበልን ዝምሕርን ምዃኑ ዝምስክሩ እያቶም፣ እዚ እዩ ናይ ሓደ ጳጳስ ሕይወት ክኸውን ዝግብኦ። እውነተይና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ መሰኻኽር እያቶም ክዀኑ ዝግብኦም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ጳጳስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ ቀዳማይ ተግባር ሓደ ኣቡን ኣብ ጸሎት ምስ ኢየሱስ ምንባር እዩ፣ ስለዚህ ቀዳማይ ተግባር ናይ ሓደ ኣቡን መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምሕንጻጽ ኣይኰነን፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ምስክር ምዃን እዩ። እዚ ማለት ድማ ቃል እምላኽ ኣብሳሪ ማለት እዩ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕነት ምብሳር፣ እዞም ክልተ ተግባራት ብሓቂ ከበድቲ ኣይኰኑ ኰይኑ ግና ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ እያቶም፣ እዞም ክልተ ዓንድታት ምስ ዝደኽሙን ዘንሳሕቡን ማለት ሓደ ኣቡን ዘይጽልይን ወይ ድማ ሒደት ዝጽልይ ምስ ዝኸውን ወይ ድማ ምጽላይ ከምዝግብኦ ክዝንግዕን ወንጌል ምብሳር ምስ ዝዝንግዕ ብኻልእ ዕዮ ክውጠር እንከሎ ቤተ ክርስቲያን ትደክምን ትሳቐን፣ ሕዝበ እግዚኣብሔር ይሳቐ፣ ስለምታይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓንዲ ስለ ዝደኸመ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፦  ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ሓደ ኣቡን ንቕድሚት ምባል ኣይከኣላን እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ስለ ብፁዓን ጳጳሳትናን ኣቡናትናን ክንጽልይ ሓላፍነትናን ግዴታናን እዩ። እዚ ግብኡነት ምጽላይ ስለ ኣቡን ድማ ናይ ፍቕርን ናይ ውሉዳውነትን ናይ ሕውነትን ግዴታ እዩ። ስለምንታይ እታ ስድራ ቤት ኣብቲ ኢየሱስ ሕያው እዩ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ ዝብል ኑዛዜ ቃል እምነት ስምርቲ ምእንቲ ክትኸውን ከምዝበሉ ገሊጾም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ምእንቲ ብፁዓን ጳጳሳት ጸልዩ፣ ስሌና ብፁዓን ጳጳሳት ጸልዩ፣ ንሕና እውን ሓጢኣተይናታት ኢና፣ ድኻምነት እውን ኣሎና፣ ናይ ይሁዳ ስግኣት እውን ከጋጥመና ዝከኣል እዩ፣ ንሱ እውን ጽዉዕ እዩ ኔሩ፣ ኣብ ጸሎት ምድካምን ዘይምጽላይን ፈተና ከጋጥመና ዝከኣል እዩ፣ ወንጌል ካብ ምብሳርን ኣጋንንቲ ካብ ምግጻስ ኣውን ነንሳሕብ ንኸውን እምበኣር ጳጳስ ከም ፍቓድን ድላይን ኢየሱስ መታን ክኸውንን ትንሳኤ ኢየሱስ ዘበስር መታን ክኸውን ስለ ኣቡናት ጸልዩ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስዋዕተ ቅዳሴ ሕዝበ እግዚኣብሔር ስለ ኣቡናቱ ይጽልይ፣ ስለ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ስለ ኤጰስ ቆጶሳትን ስለ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበኻ ኣቡን ይጽልይ፣ እዚ ጥራሕ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፣ ብልማድ ስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣቡንን ብምጥቃስ ይጽለይ እዩ፣ ብምሉእ ልቢ ምጽላይ እዩ ዘድልይ፣ ኦ ጐይታይ ንብፁዕ ኣቡነይ ሓልዎ ምርሓዮ፣ ንኹሎም ኣቡናት ምራሕ ብፁዓን ኣቡናት ብቓልን ግብርን እውነተይና መሰኻኽርን ኣብሰርትን ትንሳኤ ክርስቶስ ክዀኑን ብስብከቶም ወንጌል ንኽንርዳእን ንስኻ ኣብ መንጐና ህያው ምዃንካ ነኸነስተውዕል ዝሕጉዝና መታን ክዀኑ ደግፎም ቢልና ንጸልይ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.