2016-01-21 16:34:00

ቅድስቲ መንበር፦ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብሱቕታ ዝርእዮ ውግእን ቀንደይና ግዳይ ተራ ሕዝቢ እዩ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣውዛ ዕለት 19 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ቤት ምኽሪ ሓለዋ ተራ ሕዝቢ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ብዘይምግዳስ ብሱቕታ ናይ ዝርእዮም ውግኣት ቀንደይታ ግዳይ ተራ ሕዝቢ እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ኣብ ጅማሬ ናይ ተስዓታት ዓመተ ምሕረት ብዝሒ ተራ ሕዝቢ ግዳይ ውግእ ካብ 5 ሚእታዊ ናብ 90 ሚእታዊ ክብ ይብል

ኣብ 1900 ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞ ብዝሒ ተራ ሕዝቢ ሓሙሽተ ሚእታዊ ከምዝነበረን ደሓር ግና ኣብ ተስዓታት ዓመታት እቲ ብዚሒ ናብ 90 ሚእታዊ ከብ ከምዝበለ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም እዚ ዘሕዝን ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ግዳይ ውግእ ብዝሒ ተራ ሕዝቢ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ውግእ ብዘተኣታትዎ ጥምየትን ስእነት መግብን ምዕናው ኣገልግሎት መውሃብን ምኽንያት ድማ ናይቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ዜጋታት ብዙሒ ኣዚዩ ክብ ከምዘብሎን ዝቕተሉ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ኣባላትን ጋዜጠይናታትን ኩሉ ርኢኻ ብሓቂ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ሕጊ ክሳብ ክንደይ ዝጠሓስ ምዃኑ ተረጋግጽ ከምዝበሉ ኢዛበላ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ኩሉ ነዚ ናይ ውግእ ገበን ከውግዞን ማንም ሸለል ከይብሎ

ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝፍጸም መቕተልቲ ናይ ውግእ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ሕዝቢ ዓለምን መንግስታትን ብሱቕታ ከይርእይዎን ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ክቕርቡን እናተገብኦም ብሱቕታ ብምርኣይን ኣብ ንግድ ናይ ውግእ ኣጽዋር ብምስታፍ ብተዘዋዋሪ ናይቶም ንጹሓት ደም ተሓታቲ ኰይኖም ኣለዉ፣ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ዓመጽ ማንም ዘይምግዳስ ከየርአየ ሕጹጽ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ክተግህ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ጻውዒት ኣቕሪቦም ተሓተቲ ግቡእ ፍርዶም ንኽቕበሉን እቲ ዝፍጸም ገበን ምውጋዝን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምቕራብ ኩሉ ክዋሳእን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጸጥታን ድሕነት ብዝብል ምስምስ ዝፍጸም ዓመጽ ደው ክብል ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።

እቶም ናይ ዓመጽን ውግእን ተሓተቲ ንፍትሒ ምቕራብ

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ሕጊ ኣብ ኩለን ሃገራት ክኽበርን ብፍላይ ድማ ሓለዋ ንጹሓን ዜጋታት ዝብሉ ውሳኔታት ክትግበሩን መንግስታት ኣብ ምኽባሮም ክተግሁን ብናይ ሰብኣዊ ገበን ተሓተቲ ክልለዩን ኣብ ቅድሚ ፍትሕን ሕግን ክቐርቡ ናይ ኩለን ሃገራት ምትሕብባር ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ እዋን ውግእ ኣደዳ ዝኸውን ተራ ሕዝቢ ሓለዋ ክግበርሉ ይግባእ ከምዝበሉ ፒሮ ኣፍሊጠን።

ምስጋና ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝድግፋ ሃገራት

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ምድጋፍ ዝተግሃ ዘለዋ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ኢጣሊያን ግሪክን ቱርክን ካልኦት ሃገራትን ኣመስጊኖም እቲ ሕዝብታት ናብ ስደትን ምዝብልናን ዝዳርጉ ምስምሳት ብዓንተውኡ መፍትሒ ክርከበለ ዝበለጸ እዩ። ምእንጋድ ስደተይና ግብረ ገባዊ ሓላፍነት እዩ ኰይኑ ግና እቲ ስደት ዝፈጥር ምኽንያቱ ኣብ ምፍታሕ መንግስታት ሃገራት ዓለም ክተግሁ ይግባእ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፦

ግብረ እከይ ብግብረ ሰናይ ዘይተገዳስነት ብተሓባባርነት ምስዓር

ሃገራት ዓለም ካብ ነናይ ነፍሲ ወከፈን ውልቃዊ ረብሓ ንምርዋይ ሸበድበድ ተቖጢበን ግብረ እከይ ብግብረ ሰናይ እቲ ዘይምግዳስ ብተገዳስነትን ተሓባባርነትን ኣብ ምስዓር ከትግሃ ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ምዕዶ ብምቕራብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.