2016-01-16 16:08:00

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፦ ስነ ምህዳር ሰብ ማእከል ዝገበረ ምሉእነት ዝተነብሮ ይኹን


ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ልኡኽ ዘዳለዎ ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምህዳር ዘማከለ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ንንባብ ዝበቕዔ ዓዋዲ መልእኽቲ ማእከል ገይሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶን ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፦ እንነብረሉ ኣካባቢ ናይ ኵላትና ቤት

ዝዀነ ምህዳር ምክንኻን ከምዝግባእን እዚ ሓለዋን ክንክንን ምህዳር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኰ ዓዋዲት መልእኽቲ ትሕዝቶን ስነ ኣግባብ እተቕርብ ምዃና ከም መእተዊ ኣዘኻኺሮም፣ ንመጻኢ ወለዶ ዘማዕደወ ከይዲ ክኸውን ከምዘለዎ የነጽሩ፣ እቲ ኣብ ፓሪስ ስነ ምህዳር ኣማእኪሉ ብሓልዮ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ዘንበሮም ስምምዓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ግብሪ ምውዓል ይግባእ፣ እንተድኣ ተደናጐዩ ግና ጥዕና ከባቢ ንምሕላው ዝግበር ጻዕሪ ኣዚዩ ከኽብዶ እዩ ቢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ስነ ምሕዳር ንምክንኻን ዝግበር ጻዕሪ ምሉእነት ዘለዎን ሰብኣውነትን ማሕበራውነትን ሰብኣዊ ኩነት ዘማእከለ ክኸውን ከምዝግብኦ ይምዕዱ። እዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔርን ተፈጥሮን ምስ ብጻይናን ንዘሎና ርክብ መሰረት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.