2016-01-16 16:14:00

ሰበኻ ሮማ ሻድሻይ ክፍሊ ንባበ ቲዮሎጊያ


ሰበኻ ሮማ ብምሕረተ ዓመት ምኽንያት ዘዳለዎ መደብ ንባበ ቲዮሎጊያ ዕለት 14 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጎዳና ኮንቺላዚዮነ ሕንጻ ላተራነንሰ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መለኰታዊ ምሕረት ኣብ ስነ ጥበብ ብዝብል ኣርስቲ ከምእተጀመረን ኣብቲ ብሰለስተ መደባት ተኸፊሉ ዝካይድ ንባበ ቲዮሎጊያ ኣብ ቀዳማይ ክፍሉ ኣብቲ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቪንኮሊ ተነቢሩ ዘሎ ብሚካለኣጀኦ ዝተቐርጸ ሓወልቲ ሙሴ ዘማእከለ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን።

ኣብ ሮማ ናይ ላሳፔንዛ መንበረ ጥበብ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ዣን ፓውል ሄርናንደዝ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እግዚኣብሔር ብሙሴ ኣቢሉ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝሓጠአ ሕዝቢ ምሕረቱ ይዕድል፣ እግዚኣብሔር ብሙሴ ኣቢሊ ነቲ ዘፍቅሮ ሕዝቢ ናብታ ናይ ተስፋ መሬት ይመርሕ፣ እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ሚከልኣንጀሎ በቲ ዝቐረጾ ናይ ሙሴ ሓወልቲ ኣቢሉ ብዘገርም ጥበብ የቃልሖ፣ እቲ ኣብ 1515 ዓ.ም. ዝተቐርጸ ናይ ሙሴ ሓወልቲ ሎሚ እውን ንኣና ምሕረት እግዚኣብሔር የራኽበና ኣሎ።

እቲ ናይ ሙሴ ሓወልቲ ንእዋናዊ ሰብ ልቢ ዝዛረብን እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድልያ ፍጹምነት ኣብቲ ሓወልቲ ሙሴ ሚከልኣንጀሎ ብጥበቡ ኣንቢርዎ እዩ፣ እዚ ብኑባሬ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ መጢጥ ወይ ድማ ተዋጥሮ ብእምነት ዓይኒ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ዘሰንይ እዩ፣ እዚ ሰብኣዊ ተዋጥሮ ድማ በቲ ሓደ መዳይ ሰብ ንፈጣሪ ጽን ናይ ምባል ድላዩን ብኻልእ መዳይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ጽን ናይ ምባልን ዘለዎ ድላይ የቃልሕ፣ እቲ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ዝነበሮ መንፈስ የረጋግጾ፣ ሙሴ ኣብ ጐቦ ሲናይ እንከሎ ሕዝቢ ድሮ ንእግዚኣብሔር ረሱዑን ሙሴ ደንጉይና ቢሉ ጣዖን ቀሪጹ ኣብ ኣምልዀ ጣዖት ይወድቕ ሙሴ ነዲሩ ነቲ ጣዖት ኣዕኒዩ ነቲ ሕዝቢ ክቐጽዕን ንበይኑ ክሓድንጐን ምደለየ ኰይኑ ግና ይዕገስ እሞ ቀስ እናበለ እቲ ኣሉታዊ ሓይሊ ናብ እወታዊ ሓይሊ ይቕይሮ፣ ስለ እቲ ሕዝቢ ምሕረት ይልምን። እዚ ኩነት’ዚ ድማ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸም ምሕረት እግዚኣብሔር ቅድም ቢሉ ዘበስር እዩ ኢሎም።

ኣብ ሮማ ናይ ስነ ጥበብ መንበረ ጥበብ መምህር ማርኮ ቡሳሊያ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ሚከልኣንጀሎ ዝቐረጾ ሓወልቲ ህላዌ ዝዓሰሎ እዩ ዝመስል፣ ኣብ ታሪኽ ከምዝንገር ሚከልኣንጀሎ ነቲ ዝቐረጾ ሓወልቲ ሙሴ ተዛረበኒ ይብሎ ምልሲ ምስ ሰኣነ ድማ ብሞዶሻ ይወቕዖ ስለምታይ ዘይትዛረበኒ ስለዚህ እዚ ኩሉ ኣብ መንጐ ሚከላኣንጀሎን ሓወልቲ ሙሴ ዝፍጠር ክትዕ እቲ ዝተቐርጸ ሓወልቲ ህልው ከምዝመስል እዩ ዘረጋግጸልና። ብሙሴ ዝተገልጸ ምሕረት እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ተዋጥሮ ምዃንነት የዘንትው እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.