2016-01-14 16:27:00

ቶርኒየሊ፦ ዘተ ልቢ ንልቢ


ዕለት 12 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣምሪሑ ስም እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ ንምልላይን ንንባብ ንምብቃዕን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ  ካብ ዝተሳተፉ ናይ ስነ ድርሰት ሊቅን ደራስን ናይ ስነ ቫቲካን ሊቅ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና መጽሓፍ ናይ ልቢ ንልቢ  መጽሓፍ እያ። እቲ ንኽትርድኦ ዘጸግም ኣምር፣ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኩሉ ብኹሉ ክስትውዓል ዘብቅዕ ብናይ ኩሉ ቋንቋን ርድኢትን ሚዛን ክስትውዓል ብዝኽእል መገዲ የቕርብዎ።

ቃሎምን ተመክሮኦምን ኣብ እምነት እንከዘንትዉ ልቢ ንልቢ እዮም ዝዛረቡ። ዘይተምክሮኣዊ ቃል የብሎምን፣ ሕይወትን ቃልን ዘጣመረ እዩ፣ ብዛዕባ ምሕረት እግዚኣብሔር እንክትንትኑ ንኹሉ እቲ ምሕረት ከም ሓደ ኣካል የቕርብዎ፣ እግዚኣብሔርን ንምሕረትና ክራኸበና ናባና መጸ። ንኽራኸበናን ምሕረቱ ንኽጽግወና ናባና ክእትውዎ ብዘኽእሉ መዓጹዋት ኣቢሉ ይዅሕኩሕ። ሓደ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክዛረብን ክምዕድን ኩላትና ሓጢኣተይና ምዃና’ኳ ፍሉጥ እንተዀነ ኣነ እውን ሓጢኣተይና ከማኻትኩም እየ ብዝብል ቃል ክገልጾ ኣብ ታሪኽ ክርአይን ክስማዕን ዘይትለምደ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እምበኣር ኣነ እውን ሓጢኣተይና እየ ዝብሉን፣ ብሓፈሻኡ ሓጢኣተይናታትን ቅዱሳትን ዝብል ምዱብ ደረጃ ከምዘየለ ግና ኩላትና ንቕድስና ዝተጸዋዕና ምዃንና የተሓሳስቡ፣ ከምዚ ብዃኑ ድማ ምሕረት እግዚኣብሔር ንዅሉን ናብ ኵሉን እዩ። እቲ ምሕረት ክበጽሓና ድማ ማዕጾ ልባትና ምኽፋት ጥራሕ እዩ እቲ ካባና ዘድሊ ተግባር።

ስም እግዚኣብሔር ምሕረት ዘርእስቱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ብርቱዕ ሓሳብ ዝተነብሮ እዩ። ከምቲ ሓደ ሰብ ገዛእ ርእሱ ንኸላልየና ኩስቶ እበሃል ዝብሎ፣ እግዚኣብሔር ናብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዓለምን ሰብን ገዛእ ርእሱ ንኸላልይ ስመይ ምሕረት ይበሃል ቢሉ ከምዝመጽእ ተብርህ መጽሓፍ እያ። እዚ ድማ ስምዒታውነት ማለት ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ምሕረት ንገዛእ ርእሱ እንታይነት እግዚኣብሔር ምዃኑ እዩ ዘነጽር። ናይ እግዚኣብሔር ናይ መንነት ወረቐት ምሕረት እዩ። ካብቲ ኣብ ቋንቋ ልሙድ ብዝዀነ ኣዘራርባ ንሱ ድማ መንነት ክበሃል እንኰሎ ምስ ዜግነት ዝተኣሳሰረ ምስ እትውለደሉ ዓዲ ዝተኣሳሰረ ዓይነት ኣገላልጻ ኣይኰነን። እቲ መንነት እግዚኣብሔር ምሕረት ዝብል ንገዛእ ርእሱ እግዚኣብሔር እዩ። እዚ ድማ እንታይነት መልእኽቲ ክርስትና እንታይ ምዃኑ ይገልጸልና። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ዓሚዩቕ እንታይነት እግዚኣብሔር በታ መጽሓፊ ኣቢሎም የብሩሁልና።

ካብቲ ናይታ መጽሓፍ ኣንባቢ ዝንበር ትጽቢት ማዕጾ ልቢ ምኽፋት ዝብል እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር እንክግለጹ ንኽርድኦ ዝኽእል ወይ ድማ ምሁር ኣካልን ጥራሕ ዘይኰነስ ንኹሉ ፍጥረት ሰብ እዮም ዘማዕድዉ። ኣብ እንነብረሉ ዓለምን ኣብ መንጐ ፍጥረት ሰብን ብሓቂ ልቢ ንልቢ ንምዝታይ እትድግፍ መጽሓፍ እያ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.