2016-01-14 16:30:00

ተበግሶ ቅዱስ ኣቦና መዓልቲ ሱባኤ ንናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ብውሁድ ልቢ ዝጽዋዕ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝሓቁፍ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ዝተኣትወ ናይ ምሕረት ዓመት ዝተሳዀዕ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም እንተኸነ ዝሓሸ ዝብል ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መዓልቲ ማለት መዓልቲ ሱባኤ ከምዝወሰኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርቶ ፒየርማሪኒ ሓቢሮም።

እቲ ጳጳሳዊ ውሁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ ሱባኤ መዓልቲ ዘድልይ መጋበርያን ሰነዳትን ጽሑፋትን ብጠቕላላ ዘሰናድው ምዃኑ ናይ ውሁድ ልቢ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጃምፒየሮ ዳል ቶዞ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ መዓልቲ ሱባኤ ኣደጊፎም ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ምሕረት ዓመት እቲ መዓልቲ ሱባኤ ንናይ መላእ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት እንክውስኑ ናይ ኣጋጣሚ ዘይኰነስ ግብረ ሰናይ ካብቲ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦዅም መሓርቲ ኵኑ፣ እግዚኣብሔር ኣቦ ምሕረት እዩ” ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብኣባላታ ኣቢላ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣዊጃ ከምዝነበረት ናይ ታሪኽ ሓቂ እዩ። ናይ ምሕረት ዓመት እቲ ካብ እግዚኣብሔር እትቕበሎ ምሕረት ኣካፍሎ ዝብል ተግባር ዝሓትት እዩ። እዚ ድማ ንግብረ ሰናይ መሰረተ እዩ ከምዚ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነቲ መዓልቲ ጸሎት እንከበገሱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይትንትንዎ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣለው፣ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ማሕበራት እውን ኣብዚ መዳይ ዝዋስኡ እያቶም፣ ናይ ሕክምናን ሕንጸትን ደገፍን መእለይን ዕላማታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መልክዕ እዩ ዝንበር። ምሕረት ምስ እትቕበል ጥራሕ ኢኻ ግብረ ምሕረትን ግብረ ሰናይን ብተራኻ ከተቕርብን ከተወፍይን እትኽእል፣  መሓሪ ናይ እምነት ተመክሮ ዝነብር እዩ ኢሎም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ ንመላእ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት መዓልቲ ሱባኤ ኣብ መላእ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ምስቲ ናይ ዝርከባሉ ሃገር ኩነት ብዝሰማማዕ መገዲ ክውስንኦ ዝከኣል እዩ። ውሁድ ልቢ ጳጳኣዊ ቤት ምኽሪ እቲ ሱባኤ ኣብ ሓደ ሓሳብ ከተኵር መታን ናይቲ ሱባኤ ኣርእስትን መጋበርያን ከቕርብ እዩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.