2016-01-12 16:04:00

ዓባይ ብሪጣንያ፦ ርክብ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት


ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ መጻኢ ዕድል ዝውስንን ናብቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዓቢይ ጉባኤ ዘሰንይ ብናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፍሳዊ መራሒ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልብይ ዝተጸውዔ ምሉእ ጉባኤ ካብ ዕለት 11 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ከምእተጀመረ እንሕበር፣ ኣብቲ ክሳብ ዕለት 16 ጥሪ 2015 ዓ.ም. ዝቕጽል  ጉባኤ ካብ 165 ሃገራት ዝተዋጽኡ 85 ሚሊዮን ምእመናን ዝውክሉ 38 ላዕለዎት ብፁዓን ጳጳሳት ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝቖመ ጥልቂ ሱታፌኣዊ ሓድነት

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማእከላዊ ሓዋርያዊ መርሕነት ዘይብሉን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስርዓትን ደንብን ከምኡ እውን ቲዮሎጊያዊ ሓሳቤን ምሉእ ነጻነት ዘለዋ ክትኸውን እንከላ እታ ኣብ ካንተርበርይ እትርከብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩለን ኣንግሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣደ ተባሂላ እትግለጽን ናይ መላእ እንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ መንበር ከምዝዀነት እዩ ዝፍለጥ።

ሊቀ ጳጳሳት ወልብይ ነቲ ጉባኤ እንክጽውዑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነፍሲ ወከፍ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይነት ገዛእ ርእሳዊ ኩነት እትነብር እያ ቢሎም እቲ ዘሎ ማሕበራውን ባህላውን ፍልልያትን ከምኡ እውን እቲ ዝረአይ ዘሎ ፈጣን ባህላዊ ለውጢ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ፍሉይነት ዓቢይ ጸቕጢ ከምዘለዎን ኣብ ሰሜን ዓለም ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያን ፍልልይ ዘተኣታትው ዝመስል እውን እንተዀነ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ትእዛዛትን ጸሎት ኢየሱስን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ቲዮሎጊያዊ ርድኢትን ናብ ሓድነትን ውህደትን ከነብል የተባብዓናን ይመርሓናን፣ ካብዚ ግንዛቤ’ዚ መኻን ሰብኣውነት ዘይኰነስ ብሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምትሑቑቓፍን ዘንብረና ዓሚዩቕ ሱታፌ ከምዝውለድ እምነት ኣሎኒ ከምዝበሉ ካብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንግልጣር ዝተመሓላለፈ ዜና ዝጥቐሰ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግልጸት እሙናት ብምዃን ዚዛኑ ዝሓለወ ሓድነት ምንባር

ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 21 ክፍለ ዘመን ንነጀው ኣብቲ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ግልጸት እምንቲ ኰይና ናይ ሕሊና መርመራ ክትገብር ኣለዋ ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳኣት ወልብይ በዚ መሰረት ይብሉ ኣብቲ ብሱልን ጥበብ ዝዓሰሎ ናይ ኣንግሊካዊ ሓዋርይዊ ከይዲ ፍልዩ መራሒ ር.ሊ.ጳ. ከምዘየለ ብምስትዓል ሚዛኑ ዝሓለወ ሓድነት ክትነብር ኣተሓሳሲቦም ከም ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብትኽክል ዝትንተን ቅዱስ መጽሓፍ እዩ ዝርከብ ከምዝበሉ ናይ እንግልጣራ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ሎ ሶርቫቶረ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባኤ ካቶሊክ ምእመን ምሁር ዣን ዋኔር ከም ፍሉይ ዕዱም

ኣብቲ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ካቶሊካዊ ምህሩ ዣን ቫኔር ፍሉይ ዕዱም ኰይኖም ይሳተፉ ከምዘለዉን ዝሓበረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣተሓሒዙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝተኻየደ ናይ እንግልጣኣር ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ብላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ወልብይ ዝተዓደሙ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ካንታላሜሳ ብዘቕረብዎ ስብከት ከምእተኸፈተ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.