2016-01-12 15:50:00

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝተኣትወ ሓድሽ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ሃገረ ቫቲካን መርሓዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ዘረባ ከምዘስምዑ እንክምልከት፣ ቅዱስቲ መንበር ኣብዚ እዋን’ዚ ብጠቕላላ ምስ 180 ሃገራት ብሓዋርያዊ ልኡኻት ዝቖመ ናይ ወጻኢ ርክባት ከምዘለዋን ናይዘን 180 ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካነ መንግስታት እውን ከምዘለዉን ብተወሳኺ ድማ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ወኪል ኣብ ቅድስቲ መንበርን ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ናይ ማልታ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ወኪልን ናይ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ፍልስጥኤም ቋሚ ልኡኽን ኣብ ቅድስቲ መንበር ከምዘሎን ካብ ዕለት 4 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንነጀው ድማ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ማሕበረሰብ ካሪቢያን ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ከምዘለዋ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻክር።

ኣብ 2015 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ኣርባዕተ ስምምዓት ማለት ዕለት 1 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ብዛዕባ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምስ ናይ ኢጣሊያ ረፓብሊካዊ መንግስቲ ዝተበጽሐ ናይ ስምምዕ ውሳኔን ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ጉዳይ ዝምልከት ናይ ወጻኢ ግቡእ ክፍሊት ግብሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝብል ናይ ስምምዕ ውሳኔ ከምእተፈራረሙን ዕለት 26 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ፍልስጥኤምን ቅድስቲ መንበርን ዕለት 14 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ  መንጐ ቅድስቲ መንበር ቲሞር ኢስትን ዕለት 22 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ጫድን ዕለት 10 መስከረም 2015 ዓ.ም. ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ናይ ክወይት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዝተፈጸመ ክሌኣዊ ናይ ምምኽኻር ውሳኔ ዝምልከቱ ስምምዓት ከምተፈረመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.