2016-01-09 16:24:00

ዘይሕጋዊ ስደተይና ገበን እዩ ዝብል ኣብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ


ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ እቲ ኣብ መሬት ኢጣሊያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ምርኻብ ዘይሕጋዊ ስደትይና ብዝብል መጸውዒ ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዝሰፈረ ገበን እዩ ዝብል ካብ 5 ክሳብ 10 ሺሕ ኤውሮ ዘቕጽዕ ዓንቀጽ ዝሓክኽ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከምዘሰናደወን ዕለት 15 ጥሪ 2016 ዓ.ም. እቲ ናይ ውሳኔ ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ናይ ኢጣሊያ ዝተፈላለያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ሓቢረን፣ ኰይኑ ግና ንናይ ሃገርን ሕዝብን ጸጥታን ድሕነት ሓደጋ ዝዀነ ሰብ ካብ ሃገረ ኢጣሊያ ናብ ዝመጻሉ ሃገር ይሰጐግ ዝብል ዓንቀጽ ከምዘሎ ክተርፍን ዝብል ምዃኑ የመልክታ።

ዘይሕጋዊ ስደተይናነት ገበን እዩ ዝብል ናይ ኢጣሊያ ብቦሲ ፊኒ ዝጽዋዕ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ብተደጋጋሚ ሕብረት ኤውሮጳ ዘይቅቡል እንክብል ብዝተፈላለየ መዳይ ርእይቶ ከምዝሃበሉን ኣብ ኣብ ኢጣሊያ እውን እንተዀነ እዚ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ጸኣት ስደተይና ከይህሉ ዘይኰነስ ዋሕዚ ስደተይና ክንክይ ከምዘይገበረ ፍሉጥ እያ። እቲ ናይ መቕጽዒ ሕጊ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝስደድ ደኣ እምበር ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘይትንክፍን ገበነይናታት ንፍርዲ ዘቕርብ ኣይኰነን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ከቕርብዎ እዮም ተባሂሉ ዝሕሰብ ዘሎ ናይ ውሳኔ ሕጊ ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ ርእዮታዊ ምስሕሓብ ይፈጥር ከምዘሎ ዝሓበራ ዝተፈላለያ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣታት ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ኣንጀሊኖ ኣልፋኖን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሓድሽ ማእከላዊ ናይ የማን ፖለቲካዊ ውድብ ተቓውሞ የስምዕ ምህላዉ የመልክታ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሓልዮት ማሕበር ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ፐረጎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ ቦሲ-ፊኒ ሕጊ ብዓይኒ ሕጊ እውን እንተድኣ ርኢኻዮ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዘይክኣል እዩ። ብኹሉ ሸነኽ ኣንተርኢኻዮ መበገስን መዕለብን ዘይብሉን ጉዳይ ስደተይናን ዕዮ ኣባይቲ ፍርድን ዘተሓላልኽ እዩ። ዝዀነ ይዅን ሕጊ ሉኣላውነት ሕጊ ክኽበር ዘብቕዕ ደኣ እምበር ናይ ወዲ ሰብ ዝርከቦ ናይ ሕይወት ደረጃ ዝቐጽዕ ክኸውን የብሉን፣ እንርከበሉ ኩነት ክተቐጽዕ ወይ ድማ ገበን ክትብሎ ዘይርትዓዊ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ዘይሕጋዊ ስደተይና ዘማእከለን ንዓዑ ዘቕጽዕ ሕጊ ንምሕሳብ ዝጠፍኤ ጊዜ ነቶም ቀንደይና ተሓተቲ ናይ ገበን ጉጅለታት እቲ ዘይሕጋዊ ዕዮኦም ከሳልጡ ሓዲግናዮም እንክብሉ ናይ ኢጣልያ ናይ ጸረ ማፊያ ቤት ፍርዲ ላዕለዋይ ዳይና ዝሃብዎ ርእይቶ ዘኪሮም፣ ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ንምልላይ ዝድግፍን ከምኡ እውን ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት መፍትሒ ክረክብ ምግባር እዩ ኢሎም።

ስደተይና ምእንጋድ ሓላፍነት እዩ፣ እቲ ዝኣትው ስደተይና ዘቕርቦ ናይ ዕቑባ ሕቶ ብቑዕ መልሲ ምሃብ የድሊ፣ ስደተይና ናብ ዝመጻሉ ሃገር ንምስጓግ ኩነት ዝመጻሉ ሃገር ምፍላጡ የድሊ፣ እዚ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ኣይኰነን፣ ስደተይና ተቐብሊካ ጉዳይ መርሚርካ ብቑዕ መልሲ ምሃብን ኣብቲ ዝኣተዎ ሃገር ተወሃሂዱ ክነብር ዘብቅዖ ዕድል ምፍጣርን የድሊ።

ዘይሕጋዊ ስደተይና ዝብል ኣገላልጻ ብሓቂ ክተርፍ ኣለዎ፣ ብዙሕ ጊዜ ነቲ ብዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ሃይማኖታዊ ድዩ ማሕበራዊ ጸገማት ተገዲዱ ዝስደድን ዝመዛበልን ኩሉ ዘጠቓልል መግለጺ እዩ። እንገዳ ካበይን መንን ዘይብልን ሃይማኖትን ዓሌትን ዘይፈልይን እዩ። ብርግጽ ናይ ሕዝቢ ጸጥታን ድሕነት ምሕላው ግድን እዩ፣ ናይ ጸጥታን ድሕነትን ሓደጋ ስደተይና እዩ ቢልካ ብድብድቡ ምግላጽ ግና ዓቢይ ጌጋ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ዝረአይ ፈተና እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.