2016-01-09 16:30:00

ብፁዓን ጳጳሳት ኣርጀንቲና፦ ሰላም ንምሕናጽ ሕሊና ምንቕቓሕ


ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ማሪያ ኣርንሰዶ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2016 ዓ.ም. ሰላም ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዘዘኻኽርን ዘተሓሳስብን መልእኽቲ ከምዘተሓላለፉ ካብ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ ዜና ገሊጹ።

ብዙሕ ጊዜ ሰላም ኩሉ ዝምነዮ ክነሱ ኵሉ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ሓይሉን ብቕዓቱን ብምልኣት ከምዘየውዕልን ከም ጸጋን ህያብን ደኣ እምበር ከም ብተግባራትናን ጻዕርናን ብቓልን ሕይወትን ብእነቕርቦ ምስክርነት ዝኽወን ምዃኑ ይዝንግዕ፦

ሰላም ፖለቲካዊ ስምምዕ ዘይኰነስ ሕንጸት ሓቅን ፍትሕን እዩ

ሓቀይና ሰላም ብፖለቲካዊ ስምምዓትን ሕድገታትን ዝዕተር ናይ ሓጺር እዋን ኵነት ዘይኰነስ  ብክብርታት ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን ምትሕብባርን ኣቢሉ ብምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕነጽ እዩ። እዋናዊ ዓለም ኵላትና ኣብ ዝኽስቱ ነገራትን ኩነታትን ቅድሚ ከም ተዓዘብቲ ዘንብረና እምበር ሓላፍነትና ዘበራብርን ኣብ ኩነት ከይዲ ዓለም ሰናይ ኣበርክቶ ክነወፍይ ዘየነቓቕሕ ሓበሬታ እዩ ዘቕርበልና፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ብጻይካ ሸለልተይናነትን ንዓይነትን ዘይተገዳስነትን ክትነብርን ድንቁርናን ተነጺልካ ምንባርን ዘስፍሕ እዩ ከምዝበሉ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ንምስናፍ ሕሊና ምብርባር

ኣብ ልዕሊ ዘይተገዳስነትን ሸለልተይናነትን ዓወት ንምንባር ተግባራትናን ኣነባብራናን ዘወሃህዱ ግብረ ገባዊ ጠባይ ወዲ ሰብን ሕብረተሰብን ኣብ ጉዕዞ ልልያ ዝመርሑ ክቡራት ዋጋታት ኣብ ውሳጤና ኣንቢርና ብዕምቆት ምስትምቓሮምን ምምስካሮምን ወሳኒ እዩ፣ ስለምንታይ ሰላም ናይ ኩሉ ኣቃልቦ ዘድልዮን ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዝሓትት ስለ ዝኸነ እዩ ከምዝበሉ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣሊጡ።

ዕርቂ ምልዋጥ ይሓትት

ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ማሪያ ኣርንሰዶ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ዕርቂ ብኽርስቶስ ዝቐረበ ጸጋ ብምዃኑ ናይ ኩሉ ምልዋጥ ስለ ዝሓትት ኩሉ ኣብ ጸሎትን ገርሄይናነትን ኣስተንፍሶ ከንብርን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ሓደ እዋን ዘቕረቦ ሕቶ ተባህሉ ዝንገረሉ “ኦ ጐይታይ ኣብ ሕይወተይን ርክባተይን ናይ ሰላምካ መጋበርያ ኰይነ ተረኺበ ዶ?” ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሱ ከቕእርብ ምዒዶም ከምዘጠቓለሉ ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.