2016-01-08 13:33:00

መልእኽቲ ልደት ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም “ኣቱም ጽሙኣት ኲልኻትኩም ናብ ማያት ንዑ” 7 ጥሪ 2016 ዓ ም


ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔር

ጒዕዞ ዓመት ምሕረት ካብ እንጅምር ድሮ ወርኂ ሓሊፉ፣ ብዕለት 12 ታሕሣሥ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ማዕጾ ምሕረት ከፊትና መስዋዕተ ምስጋና (ቅዳሴ) ኣብ ዘዕረግናሉ ንግሆ ዝተራእየ ብዝኂ ሕዝብን ዕዙዝ ተሳትፎን ናይቲ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ዘሎ ጽምእን ጥምየትን ምሕረት ኣምላኽ እዩ ገሊጹልና፣ ዓመ ምሕረት ብምውእዋጁ ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል ዘስምዖ፡“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኹም ናብ ማያት ንዑ። ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ። ንዑ። ተሻየጡ እሞ ብልዑ፣ እወ ንዑ። ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ፣ ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ። ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ዝብል ጸዋዒት ዝሰማዕና ኢና ንመስል ነቢርና፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑስ፡ ከምሎሚ እዋን እኳ ብዛዕባ ገንዘብ ተዛሪብና ኣይንፈልጥን፣ ብሓደ ወገን ብዛዕባ ዝኣቱን ዝቕየርን ገንዘብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣወጻጽኣኡ ብዙኅ ክንዛረብን ክንከራኸርን ቀኒና ኣሎና፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሎሚ’ኳ ገንዘብ ውሒዱና ኣይፈልጥን ክንብል ንኽእል፣ ንክዳንን ንመግቢ ዕለትን።

ንትምህርትን ንደሞዝን-ንስራሕን። ንሕክምናን ንመንቀሳቐስን። ንሓጐስን ንሓዘንን። ንምትሕግጋዝን ንምክሳስን ክንብል እነጥፍኦ ገንዘብን ኃይልን ኣዝዩ ብዙኅ ከምዝኾነ ዕለታዊ መነባብሮና ዝምስክሮ እዩ፣ ኩሉ ዝግዛእን ዝሽየጥን ነገር ክብሪ ኮይኑ ከምዘሎውን ኣይጠፍኣናን፣ ስለምንታይ ደኣ እዩ ነቢዪ ኢሳይያስ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ እዋን። “ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ- ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ፥ ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ?” እናበለ ዝሓትት? ከይከፈልካን ከይደኸምካን ዝርከብ መግብን መስተንከ ከመይ ዝበለ እዩ? ኣበይከ ይርከብ? እቲ ለጋሥ ወሃቢኸ መን ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ክንሓትት ኣገዳሲ ይኸውን፣ ብርግጽ እዚ ኢሳይያስ ዝዛረበሉ ዘሎ መግቢ እቲ ንሕና እንፈልጦ መዓልታዊ ሓላፊ መግቢ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ነቢዪ እግዚኣብሔር ብነጻን ብብዝኅን ንሕዝቡ ብዛዕባ ዘዳልዎ ካልእ ሺሻይ እዩ ዝገልጽ ዘሎ፣ ምስ እዚ ናይ ሎምዘመን ዓመተ ኢዮቤል ኣተሓሒዝና እንተረኣናዮ ከኣ እቲ ቀዲሕካዮ ዘይነጽፍ በሊዕካዮ ዘይውዳእ ምሕረት ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሺሻይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ልደተ-ጥምቀትውን ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓት ኣምልኾናን ብዛዕባ እዚ ምሕረት ኣምላኽ እዮም ዝዛረቡና፣ “እቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ ኣምላኽ” (ኤፈ 2:4)፥ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፥ ንዂራ ደንጓዪ፡በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን” (ዘፀ 34፡6) “ምሕረቱ ከኣ ንዘለዓለም እዩ” (መዝ 136) ዝብሉ ጠቕስታት ክንሰምዕ ከሎና፥ ምሕረት ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና መለለይን ዝዓበየ ስራሕን ከምዝኾነ ንርዳእ፣ ነዚ ምሕረቱን መደብ ድኅነቱን ብዝተፈላለዩ መንገድታትን፡ ኣብ ዝተፈላለ ጊዜን ዘመንን ክገልጽ ድሕሪ ጸኒሑ “ኣብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ወዱ ብእውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፣ ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ዘንጸባርቕ’—ፍጹም ኣርኣያ እግዚኣብሔር እዩ” (ዕብ 1: 2-3)፣ ንሱ፡ እዚ ፍቁር ወዱ ኣብ ማእከልና ምስ መጸ እዩ ነቲ ነቢይ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ዘበሠሮ መኣዲ እንጌራ ጽድቅን ማይ ሕይወትን ዝሠርዓልና፣ ባዕሉውን ”ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፡ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይክጠምን፡እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ኣይክጸምእን እዩ”(ዮሓ6፡35) ኢሉና እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብኣና ብደቅሰብ ዝርአን ዝስማዕን፡ ገጽን ድምጽን፡ ናይ መሓሪ ኣቦኡ ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ካብ ድንግል ማርያም ሥጋና ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ተወልደ፣ ስለዚ ልደት ክርስቶስ ንርእሱ ዓብይ ተኣምርን ዓብይ ናይ ምሕረት ስራሕን እዩ፣ ወልደ እግዚኣብሔር ንኣና ክመስል ምምራጹ፥ ኣብ ማእከልና ምሕዳሩ እቲ ዝዓበየን ጭቡጥን ምልክት ፍቕርን ምሕረትን እዩ፣ “ቃል ሥጋ ኮነ ወኅደረ ላዕሌነ” ክንብል ከሎና፥ ብሓጺሩ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽ’ቲ መሓርን ርኅሩኅን ኣቦና ኮይኑ እዩ ክበጽሓና መጺኡ ማለት እዩ፣ ንሱ ጥራይ እዩ መልክዕ እግዚኣብሔር ብርግጽነት ክገልጽ፥ ክምስታ ኣቦናውን ከርእየናን ከጥዕመናን ዝኸኣለ፣ ወንጌል ዮሓንስ ከምዝብሎ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ እቲ እንኮ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ” (ዮሓ 1:18፥ 6፡46)፣ ጐይታና ኢየሱስውን “እቲ ንኣይ ዝርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ” (ዮሓ 12:45-46) ይብለና፣ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንቲና ዝረኣናዮ። በእዳውና ዘረምሰስናዮ። ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና፣ ሕይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና ንምስክርውን ኣሎና፣ እታ ንኣና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለዓለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና” (1ዮሓ 1:1-2) ክብል ከሎ እቲ ርጉጽ ገላጺ መልክዕን ጠባይ ምሕረትን ሕይወትን እግዚኣብሔር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ ኣብቲ “ገጽ ምሕረት-ኣምላኽ” ዝኣርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እውን መድኅኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝረአ ገጽ-ምሕረት ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ኣነጺሮም ይገልጹልና እዮም፣ እዚ ደረት ዘይብሉ መሓርነት ናይ እግዚኣብሔር ግን ካብ ምንታይ እዩ ዝፍልፍል? እንተበልና፥ ካብ እቲ ወሰን ዘይብሉ ዕብየቱን ክእለቱን ስልጣኑን ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ ኣብቲ ኣብ በዓላት ልደተ-ትምቀት እንጥቀመሉ ኣኰቴተ ቊርባን፡ “እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ኣምላኽ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ንጉሥ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ኲሉ ዝኃዝካ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መላኺ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መድኃኒ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ፈራዲ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መሕየዊ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መጋቢ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ሰሳዪ ኢኻ”፥ ብምባል ልዑል ኣምላኽና ዝሰኣኖ ከምዘይብሉ ምስ ተኣመንና፥ ቀጺልና ከኣ “ንኣና ንኃጥኣን እንተመሓርካና፡ ሽዑ ኢኻ መሓሪ እትብሃል፥ ንጻድቃንሲ ብምግባሮም ኢኻ እትምሕሮም፥ ከም ጽድቆምውን ትፈድዮም፣ ዝቐደመ በድልና ኣይትዘክር፥ ኦ ጐይታ ምሕረትካ ቀልጢፉ ይምጽኣና፣ ናባኻ ንጠርዕ ናባኻ ነእዊ ናባኻ ንምህለል ኣሎና፣ ንዘለዓለም ዓለም” (ሓዳፌ ነፍስ፥ እምቅድመ ዓለም (ዲዮስቆሮስ) እናበልና ኣብቲ ደረት ዘይብሉ መሓርነቱ ዘሎና ዓብይ ተስፋ ንገልጽ፣ ሰናይ ፍቓዱን ክእለቱን እንተዘይኮይኑ ምሕረት ከምጽኣልና ዝኽእል ካልእ ኃይሊ የልቦን፣ በዚ ምኽንያት ኢና መዓልቲ መጸ “በከመ ምሕረትከ እግዚኦ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ” ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም በደልና ኣይትኺደና(መጽሓፈ ቅዳሴ)፥ “ኢትግድፈነ ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ ኣምላከ ሰላም ተራድኣነ” ኣይትግደፈና ኣይትመንነና ኣምላክ ሰላም ተራድኣና(ሥርዓተ ዋዜማ) እናበልና ንልምኖ፣ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን ብዓብይ ክእለት፡ “ብምኽሪ ርጉም ተመን ትእዛዙ ምስ ኣፍረስና፡ ካብታ ናይ ደስታ ገነት ናብ ጥፍኣት ወጻእና። ካብ ሕይወት ናብ ሞት፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ኃጢኣት ተገዛእና፣ ንሱ ግና ንፍጥረቱ ኣይኅደገናን፡ ሸለልውን ኣይበለናን፣ ከምቲ ዝበደልናዮ ኣይተቐየመናን። ብኃጢኣትና ፈጺምና ክንጠፍእ ከኣ ኣይኃደገናን፣ እኳ ደኣ ኣፍቀረናን መሓረናን ራኅርኃልናን፣ ካብ ኢድ እቲ ዚገዝኣናውን ኣናገፈና፣ ነቦኡ መልኣኽ ምኽሩን የማናይ ኢዱን ኃይሉን ጥበቡን ተበጃውን መድኃንን ዝኾነ ወዱ ለኣኸልና” (ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ብምባል ነቲ ዘይሕለል ምሕረት ኣምላኽን ናይ ደቅሰብ ብዝኂ ኃጢኣትን የነጻጽሮ፣ ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም ከኣ  ንልመናና ኣይንዓቖን፡ ኣይተቖጥዓናን፡ ምሕረቱውን ካባና ኣየርሓቐን፡ እሞ እግዚኣብሔር ኣምላኽና መሓሪ እዩ፣°እስመ ኢመነነ ወኢተቆጥዓ ስእለተነ። ወኢያርሐቀ ሣህሎ እምኔነ እስመ መሓሪ ውእቱ እግዚኣብሔር ኣምላክነ” እናበለ ምሕረት እግዚኣብሔር ጭቡጥ መግለጺ ፍቕሩን ትዕግሥቱን ለውኃቱን ከምዝኾነ ይገልጸልና፣ ኣብ መጨረስታ፡ ኢሳይያስ ነቢይ “ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ይብለና፣ ንኣና እዚ ዝጸበቐ ጥዑም ብልዒ እዚ እቲ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ዝኾነ፥ ኣብ ማኅጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ ኣብ ቤተልሔም፡ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፥ ጓሶት ዝሰገዱሉ መላእኽቲ ሰማይ “ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ” እናበሉ ዝዘመሩሉ ኢየሱስ ሕጻን እዩ፣ ልደት ኢየሱስ ሕጻን እምበኣር፥ ካብ ሰማይ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍና ኣውሪዱ ከምቲ ወትሩ መሓሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ንእናውን መሓርቲ ይግበረና፣ ስለዚ ንኢየሱስ ሕጻን፡ መሓርቲ ኣዕይንቲ፡ መሓርቲ ኣእዛን፡ መሓሪት መልሓስ፡ መሓርቲ ኣእዳው፡ መሓርቲ እእጋር፡ መሓሪ ልቢ፡ ሀበኒ እናበልና ንለምኖ፣ ምሉእ ዓመተ ምሕረት ከኣ ምስ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ይኹነልና፣ “እቲ ምሕረት ዝገብር ብሓጐስ ይነብር” (ሮማ12፡8) ከምዝብል ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሕጉስን በዓላት ልደተ-ጥምቀት ይግበረልና፣ ኣብዚ ዓመትዚ ንጉሥ ሰላም መድኃኔ ዓለም፡ “ምሕረትን ሓቅን ከምዝራኸባ ፍትሕን ሰላምን ከኣ ከምዝሰዓዓማ” (መዝ 85) ይግበረልና፣

ምስ ብዙሕ ሰላምታን ቡራኬን

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ  ተስፋማርያም ሊቀ ጳጳስ ዘበኣስመራ








All the contents on this site are copyrighted ©.