2016-01-02 16:16:00

ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዕለት 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም.


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 60 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም፦ ሰላም ዕለት ብዕለት ንብጻይካ ልብኻ ብምኽፋት ጸረ ዘይተገዳስነትን ዕጽወትን ምጥርጣርን ብምቅላስ እትዓወቶ ርግኣት እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ዘይተገዳስነት (ኣልቦ ሓልዮት) ጸረ ሰላም እዩ

ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣዘኻኺሮም፣ ሰላም ዕለት ብዕለት እትዅስኩሶ ጥራሕ ዘይኰነስ እትዕወቶ እውን እዩ፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ ልብና መንፈሳዊ ቃልሲ ዝካየደሉ እውነተይና ውግእ እዩ፣ ስለዚህ ጸረ ሰላም ውግእ ጥራሕ ዘይኰነ ዘይተገዳስነትን ንኣይ ይጥዓመንን ጥራሕ ምባልን ፈላላይ መናድቕ ምቛምን ፍርሕን ገዛእ ርእስኻ ምዕጻውን እውን ጸረ ሰላም ተግባራት እያቶም።

ግዳሴ ንብጻይካ ምብርባር

እግዚኣብሔር ይመስገን ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ዝበጽሓና፣ ኰይኑ ግና ነቶም እነድልዮም ኣሕዋትና ከይነስተውዕል ኣቃልቦና ብዘዘምብል ዜና ተዓብሊልና ንርከብ፣ እምበር ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ልብና ብምኽፋት ግዳሴ ንብጻይን ንጎረቤትን ንምንባር ንትጋህ፣ እዚ እዩ እቲ ሰላም ዘዕውት ሓቀይና መገዲ።

ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ዝካየዱ ጻዕርታት ኣፍልጦ ምሃብ

ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ እቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላመ ክርስቶስን፣ ካቶሊካዊ ተግባርን ኣብ ሮማን ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮን ማሕበር ፍቕሪ ስድራ ቤት ምእንቲ ሰላምን ዓለም ሓቆፍ ሕብረት ስድራ ቤትን ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝካየዱ ካልኦት ህብረኣውያን ጅማረታትን ኣቃልቦን ኣፍልጦን ምሃብ የድሊ፣ ብዙሓት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መደብ ሰላም ኣብ ዘተኰረ ስምምዕን ሰላምን ኣብ ዘነቓቕሕ መርሃ ግብሪ ተጸሚዶም ከብዕሉ ምርአይ ክንደይ ባህ የብል፣ ፍቱዋተይ ኣብ መዳይ ዕርቂ ስምምዕን ኣብ እተካይድዎ ህርኩት ጻዕሪ አተባብዓኩም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።

ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮተይ ብቡራኬ እግዚኣብሔር

ሽሕ’ኳ እቲ ናይ ትማሊ ጸገምን ሃልክን ኩሉ ዝቕጽልን ሎሚ እውን ዝህልው ኰይኑ ይሰመዓናን ከምኡ እውን ዝመስል እንተዀነ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ብሓድሽ ዓመት ምኽንያት ናይ እንቋዕ ኣብጸሓካን ኣብጻሓክን ናይ ደስታ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ምልውዋጥ ክንድይ ባህ የብል፣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝገለጽዎ ብሓቀይና ተስፋ ዝተደገፈ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ ኣብ ቡራኬ እግዚኣብሔር ዝጸንዔ ምዃኑ ዝዝከር ኰይኑ፣ ክትድሰቱን በቢ ዕለቱ ካብ ጩራ ጸሓይ ንላዕሊ ዝዅላዕ ምሕረት ኣብ ኣባኻታኩም ይዀላዕ እግዚኣብሔር የዕይንቱ ኣባኻትኩም የንብር፣ ውጅሂ እግዚኣብሔር ምልላይን ምሳኡ ምራኻብን ሕይወት ይሕድስ፣ ስለምታይ ምስ ፍጥረት ሰብ ፍቕሪ ዝሓዞ ኣቦ ስለ ዝዀነ፣ ኣብ ምፍቓርናን ንሕዳሴናን ዘይስልክይ ኣቦ ስለ ዝዀነ።

እግዚኣብሔር ሽሕራዊ በትሪ ዝጥቀም ኣይኰነን

ጐይታና ኣብ ዕለታዊ ምውዳቕና ዘይዕንቀፍን ተስፋ ዘይቆርጽን ምሳና ኢታእላው ትዕግስቲ ዘለዎ ኣቦ እዩ፣ ንሱ ዝኣተወልና ቃል ሽሕራዊ ተኣምራት ኣይኰነን፣ ናይ ሽሕር በትሪ ተጠቃሚ ኣይኰነን፣ ብትዕግስትን ብፍቕርን ነገራት ካብ ውሳጤ ዝልውጥ እዩ። ልክዕ ከም ማየ ዝናም ንመሬት ዘተርክስ ፍሬ ክህብ ዝገብር፣ ንሱ ድማ ኣብ ሕይወትና ብሓልዮት ዝኣትው እዩ፣ ብለውሃቱ እናጠመተ ኣብ ምጽባይና ዘይስልክይ ኣቦ እዩ።

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታሬላ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ንዘመሓላለፍሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮት መግለጺ ጠቒሶም፣ ምሳጋናኦም ብምቕራብ ንመላእ ሕዝቢ ዓለም ብጸጋ እግዚኣብሔር ዓመተ ሰላምን ዕርቅን ብምሕረት እግዚኣብሔር ኣዚዩ ሃብታም ክኽውን ብኣማላድነት ሓልዮት እኖ እግዚኣብሔር ቅድስተ ድንግል ማርያም ንጐይታ ንለምን ብዝብል ጸሎት ከምዝዛዘሙ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.