2016-01-02 16:25:00

ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዓዲ ግራት


ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዓዲ ግራት ኤጳርቅና ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ተስፋስላሴ መድህን ኣብ ካቴድራል መድሃኔ ዓለም ምህረት እግዚኣብሔር ካብ ስድራ ቤት ውሽጢ ዝጅምር እዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ብምስማዕ ቅዱስ በሪ ከምዝኸፈቱ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ መድህን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦

ምሕረት ሚዛን ዕለታዊ ሕይወት እዩ

ፍልዩ ናይ ምሕረት ዓመት ንድሕሪት ምልስ ቢልና ክሳብ ክንደይ ንብጻይና መሓርቲ ኰይና ተረኽቢብና ብዝብል ሚዛን ዝሓለፈ ሕይወትና እንምርምረሉ እዋን እዩ። ምእንቲ’ዚ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነሕዋትና መሓርቲ ንኽንከውን ኣብቅዓና ቢልና ከም እንልምኖ ኣቦ መሓርቲ እንዀነሉ እዋን በጺሑ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ብትግርይና ዝተደርሰ መርሓ ሓበሬታ ናይ ምሕረት ዓመት

ብፁዕ ኣቡነ መድህን ኣብ ሰበኻ ዓዲ ግራት ናይቲ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ዝምልከት ምሉእ መርሓ ሓበሬታ ብቋንቋ ትግርይና ከምእተሓትመ ብወግዒ ብምግላጽ ዕላማኡ ድማ ኩሎም ምእመናን ብዛዕባ ናይ ምሕረት ዓመት ዘለዎም ኣፍልጦ ክብ ከብሉን ኣብ መዳይ ምሕረት ኣብ ክሕነጹ ዝብል ምእዃኑ ተንቲኖም ምእመናን ብምኽንያት ናይ ምሕረት ዓመት መንፈሳውን ስጋውን ግብረ ምሕረት ክፍጽሙን ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነት እቲ ናይ ምሕረት ዓመት ናይ መንፈሳዊ ሕዳሴ ዓመት ምዃኑ ከስተውዕሉ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.