2016-01-02 16:19:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ሰናይ ድኹም ይምሰል ደኣ እምበር ወትሩ ሰዓሪ እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ጥሪ ዝኽበር እመ ኣምላክ ዓመታዊ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ዕለት 31 ነሓሴ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኣብ ዝመርሕዎ ቀዳማይ ጸሎተ ዘሰርክን ቀጺሉ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን በቲ ዝዛዘም ዓመት ምኽንያት ነቲ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ብተድፋን ሓጐስን ንምቕባል ናብቲ ሓድሽ ዓመት ንዘሰጋገረና እግዚኣብሔር ዝዝየም መዝሙረ Te Deum-ንሴብሃከ ምስ ቀረበ ሰናይ ኣብ ገለ ገለ ኣዋን ድኹምን ዘይርእዩ ይምስለ ደኣ እምበር ወትሩ ሰዓሪ ምዃኑን ኣብዚ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ቅዱስ ኣቦና ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስቓይን መከራን ሮማ እምነት ኣብ ምንባርን ምትርጓምን ሓለፋ ዘለዎ ከተማ ምዃና ኣፍልጦ ከግበርን እንገዳን ሕውነትን ሰላምን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኰረ ስልጣናዊ ስብከት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሲሚሊያኖ መኒከቲ ሓቢሮም።

መዝሙረ Te Deum-ንሴብሃከ

ኣብቲ ኣብ ጥልቂ ጸሎትን ብናይ ምስጋና ጸሎት ሓሴት ዝመልኤ መንፈስ ዝዓሰሎ ባዚኮካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከይዲ ዕለታዊ ሕይወትናን ታሪኽን ህላዌ እግዚኣብሔር ንኽልለይ ምዒዶም፣ ብመዝሙረ ንሴብሓከ ኣቢልና ብመላእ ተፈጥሮን ንእግዚኣብሔር ንኽንውድሶን ከነመስግኖን መላእኽትን ነቢያትን ክድግፉና ንለምን፣ ብመዝሙር ንሴብሓከ ኣቢልና ታሪኽ ድሕነት፣ ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ምስጢራዊ መደብ ምድሓን ንውድስ፣ ኣብዚ መዝሙር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሕይወትና ስፍራን ጽማሬን ነስተንትን።

ምሕረትን ተስፋን

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ናይ ምህረት ዓመት ቅርበት እግዚኣብሔርን ምሕረትን ተስፋን ዘኪሮም ዝሓለፈ ዓመት ከመይ ከምዝነበርናዮን ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ድማ ብተስፋ ክንስነይ ዘብቅዓና ብርሃን ንኸነለልይ እቲ ዘሰንየና ምሕረት እግዚኣብሔር እዩ።  

ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓለፈ ኩነት

ዝሓለፈ ዓመት ዘሕለፍናዮ ኩነት ናብ ሓሴት ወይ ከኣ ናብ ጓሂ ዘሰንየና ጭቡጥ ተዘክሮ እንነብረሉ ድዩ ወይ ከኣ እቲ ኵሉ ዝሕድስን ብሓገዙ ኩሉ ዝድግፍን ናይ እግዚኣብሔር ህላዌ ንምስትዓል እነስተንትኖ እዩ? ኩነት ዓለም ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተኸወነ ድዩ ወይ ድማ ብዙሕ ጊዜ ብናይ ውልቃዊ ረብሓን ዘይረውይ ጽምኢ ስልጣንን ዓመጽን ንዝድረኽ ንናይ ፍጥረት ሰብ ድላይ ኢና ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገበርና?

ሰናይ ፍጻሜ ዘይንገረሉ ዜና

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ ናይ እግዚኣብሔር ናይቲ መሓሪ ፍቕሪ ሓይሊ ብኢድና ንምትንካፍ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ምልክታ ኣተኵይሮም፣ ኣብ ቅድሚ ዝረአይ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ዓበይቲ ናይ ሰናይ ግብርታት ዘኪሮም ማእለያ ዘይብሉ እዋን ብስቓይን ሞትን ብናይ ብዙሓት ንጹሓን ሕልቂትን ቤቶምን ንብረቶም ዛሕዚሖም ንስደት ብዝተዳርጉን ቤት ኣልቦን ዕለታዊ መግብ ብዘይረኽቡ ዝተመልኤ ምንባሩ ብምዝካር፣ ኣብዚ ኩነት ምልክታ እግዚኣብሔር ኣነንብበሉ ሰናይ ግብሪ ነስተዕል።

ሰናይ ወትሩ ተዓዋቲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ሰናይን ፍቕርን ምትሕብባርን ዘረጋገጹ ግብርታት እውን ዘኪሮም ኣብቲ ጽንኩር እዋን ዝተራእዩ ሰናይ ግብርታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ቀንዲ ዜና ከይኰነ እዩ ዝተረፍ። ሰናይ ብዙሕ ዘይፍክር ርአዩለይን ስምዑለይን ዘይብል ተግባር እዩ።

እቶም ናይ ፍቕሪ ምልክታ ብናይ ክፍእት መንፈስ ሓይሊ ምዕባጥን ምድባንን ዘይከኣልን እዩ።

ሮማ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኽሰት ዘበለ ኩሉ ጋሻ ኣይኰነትን ስለዚህ ተቐማጦ ከተማ ሮማ ካብቲ ጽንኩር እዋናዊ ኩነት ክንየው ከብሉ ሓደራ ቢሎም፣ ናይ ምግልጋልን ቅንዕናን ምትሕብባርን ክቡራት ዋጋታት ዳግም ብምዕታር በዚ መገዲ’ዚ ነቲ 2015 ዓ.ም. ዝዓበለለ ናይ ሓባር ጥቅሚ ዘይምንዳይ ዘስዕቦ ጽንኩር ኩነትን ዘይርግጹነትን ከሰንፉ ምዒዶም፣ ከም ታሪኽ ሮማ ብክርስቲያናዊ ምስክርነት እወታዊ ምርኻብ ብኣማላድነት ናይ ሮማውያን ናይ ድሕነት ኣኖ ማርያም ናይ እምነትን ምእንጋድን ሕውነትን ሰላምን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ምትጋህን ሓለፋ መሰኻኽር ንኹን ቢሎም ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖን ዛዚሞም ድሕሪ ቀዳማይ ዘሰርክ በዓለ እመ እግዚኣብሔር ናብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቖመ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዘዘንትው ብስእልን ቅርጽን መብልዒ ማል ብምኻድ ኣብኡ ጸሎት ኣዕሪጐም ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሰላምታ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን መኒከቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.