2015-12-31 16:51:00

ፊሊፒንስ፦ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቲ ብምኽንያት ሕዝባዊ ምርጫ ሃገሮም


ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገሮም ዕለት 9 ግንቦት 2016 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝተወሰነ ሕዝባዊ ምርጫ ምኽንያት “ደጊም ጠቢባን (ብልሓተይናታት) ከም ተመን ገርሀይናታት ከኣ ከም ርግቢት ኹኒ” (ማቴ. 10,16) እብ ዝብል ቃለ ወንጌል ኣስተንፎ ዘንበረ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ሰረት ትምህርቲ ዝተወከሰ 10 ልላይ ዝተነብሮ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንሰብ ጽቡቕ ድላይን ምእመናንን ከምዘመሓላለፉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ውልቃ ሕጹያት ተመረጽቲ የብላን ሓላፍነቱ ናይ ምእመናን እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ቅድም ቀዳድም ቤተ ክርስቲያን ናተይ እትብሎን ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጹያት ተመረጽቲ ከምዘይብላን ኣብ ጉዳይ መንግስትን ፖለቲካን እደ ኣታውነት ከምዘይትገብር ብምርግጋጽ ንምእመናን ዝምልከት ጉዳይ እዩ፣ ካቶሊካዊ መራጺ ሕዝቢ ናይ ሕይወቱ ማእከልን ኣርኣያን እቲ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ክርስቶስ ምዃኑ ተኣሚኑ ነቶም ሕጹያት ተመረጽቲ ቃሎምን ተግባሮም ኣመዛዚኑ ገምጊሙን ብናይ ወንጌል ኩብራት ዋጋታት ተመሪሑ ዝመርጽ እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣይፋል ነቲ ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ዘነቓቕሕ ሕጹይ ተመራጺ

ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣብ ሓዋርያዊ መልእክቶም፣ በቲ ቅድመ ሕዝባዊ ምርጫ ክስዕር ዝኽእል እናተብሃለ ዝቐርብ ብኣሃዝ ዝተደገፈ ጸብጻባት ዝህቦ ናይ ግምት ሰዓሪ መግለጺ ከይተወሰነ ብነጻነት ቅኑዕ ሕጹይ ተመራጺ ከለልይ ምዒዶም ካቶሊካዊ መራጺ ምእመን፣ ፊሊፒንስ ካብ ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት መንግስትን ስርዓትን ንኽትቕየር ቀጥዒ ኣልቦ ዓለማውነት ፖለቲካዊ ህልዮ ካብ ዘነቓቕሕ ተመራጺ ክጥንቐቕ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ዝጻረር ናይ ፖሊቲካ ሰዋስው ንኣብነት ጽንጺ ምንጻልን ጥዑም ሞትን ዘተባብዕ ናይ ሞት ባህልን ዘስፍሕ ፍትሕን ክርስቲያናዊ መርዓ ማለት ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቖመ ቃል ኪዳን ዘተዓናቕፍን መርዓ ኣብ መንጐ ሓደኣዊ ጾታ ካብ ዘተባብዕ ፖለቲካ ክጥንቐቑ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሚዛኑ ዝሓለወ ኣብ ምክብባር ዝቖመ ፖለቲካዊ ክትዕን ዘተን ናይ ምረጹኒ ጐስጓስን

ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ድማ እቶም ሕጹያት ተመረጽቲ ናይ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላትን መራሕትን ኣብቲ ዝካይድ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስን ዘካይድዎ ፖሊቲካዊ ክትዕን ዘተን ቅኑዕን ኣብ ምክብባር ዝቖመ ክኸውንን ቤተ ክርስቲያን ዘይካቶሊካውያን ቅኑዓትን ሓላይ ሕዝቦም ዝዀኑ ሕጹያት ተመረጽቲ ከምዘለዉ ዘይትኽሕዶ ምዃና ድማ ገሊጾም፣ ምፍርራሕ ዘይብሉ፣ ሕጹይ ተመራጺ ናጻ ብዘይ ጸቕጢ ሰብኣዊ ዘማእከለ ጎስጓስ ከካይድ ናይ ተመራጺ መሰሉ ክሕለወሉን ግብኡ ክኸብርን መራኸቢ ቡዝሃን ናጻ ኰይነን ንሕዝቢ ብቑዕ ሓበሬታ ከቕርባ ኣተሓሳሲቦም፣ እዚ ኹሉ ናይ ሓንቲ ስልጥንትን ምርግጋእ ዝዓሰላ ዴሞክራሲያዊት ሃገር ሚዛን እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእክቲ ከምዘጠቓለሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.