2015-12-29 16:19:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ


ካብ ዕለት 3 ጥሪ ክሳብ ዕለት 9 ጥሪ 2016 ዓ.ም. “… ገይሸ ተቐብልኩምኒ” (ማቴ. 25, 35) ዝብል ቃል ወንጌል መርሕ ዝገበረ ኣብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወ መደብ ብሔራዊ ናይ ስደተይና ሳምንቲ ክካይድ ምዃኑ ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ስደተይና ክእንገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣብዚ መዳይ እቲ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኰነ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ምእንግዳን ምእላይን ስደተይናታትን ዝተናዕቁን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ክዋስኡ ሓደራ ከምዝበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስደተይና ናይ ከባቢ ማሕበረሰብ ድጋፍ የድልዮ

ስደተይና ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዝፈልስ እዩ፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ መጻእተይና ወይ ድማ ወጻኣተይና እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ቋንቋን ባህልን ልምድታትን ጀሚርካ ብዙሕ ጸገማት ዘጋጥሞ ምዃኑ የነጽር፣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለጺ ነዚ ብምምልካት ስደተይና ነቲ ዘጓንፎ ሽግራት ንኽብድህ ዝድግፎን ዝመርሖን ሓገዝ የድልዩ ቢሎም፣ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካይድ ብሔራዊ ሳምንቲ ስደተይና ቅድሚ 26 ዓመት ዝተጀመረ መደብ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሔራዊ ናይ ስደተይና ሳምንቲ ብምድላው ኣብ ዘካይደቶም መደባት ሕዝቢ ኣመሪካን መንግስትን ኣብ ጉዳይ ስደተይና ቆላሕታ ክገብርን ንናይ ስደተይና ጸገም ቅድውን ርትዓውን ኣመለኻኽታን ግብርን ክህልዎ ከምዘተባብዔ እውን ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብዚ ናይ ምሕረት ቅዱስ ዓመት ፍሉይ ኣቃልቦ ንስደተይናታት

እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ብሔራዊ ናይ ስደተይና ሳምንቲ ምስቲ በቢ ዓመቱ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 17 ጥሪ ተዘኪሩ ምስ ዝውዕል መደብ መዓልቲ ስደተይና ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና ዕለት 17 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ድሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስደተይናን ተመዛበልትን ንሕልናን ኣእምሮናን ሕቶ እያቶም፣ ናይቲ ሕቶ መልሲ ድማ ብናይ ወንጌላዊ ምሕረት ዝልለ ወንጌላዊ መልሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ስለዚህ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ብሔራዊ ናይ ስደትይና ሳምንቲ ምስቲ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓመተ ምሕረት ዝተተሓሓዘ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.