2015-12-29 16:08:00

ሲመተ ጵጵስና ኣብ ስኮዚያ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስኮዚያ ናይ እርግይልን ዘ ኢስለስን ሰበኻ ጳጳስ ንኽዀኑ ናይ ሰበኻ ፓይስለይ ውሉደ ክህነት ኣባልን ኣብታ ሰበኻ ጠቕላሊ ምኽትል ጳጳስ ኰይኖም ዘገልግሉ ንዝነበሩ ንብፁዕ ኣቡነ ብራይን መክጊ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ መክጊ ኣብ ግሪኖክ ሰበኻ ፓይስለይ ዕለት 8 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ኣብ ላንጋባንክ ቅዱስ ቪንሰንት ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኣትዮም ቀጺሎም ኣብ ኣበርዲን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ብላይርስ ኣትዮም ዝግብኦም ናይ ውሉደ ክህነት ሕንጸት ቀሲሞም እቲ ቀጻሊ ክህነታዊ ሕንጸት ድማ ቱርለስ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፓትሪክ ተቛም ኣጠናቒቖም ዕለት 29 ሰነ 1989 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ምስ ተቐበሉ ናይ ቅዱስ ቻርለስ ቤተ ክርስትያን ምኽትል ቆሞስን ቀጺሎም ኣብ ፖርት ግላስጐው ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ቤተ ክርስቲያን ደሓር ድማ ናይ ቅድስቲ ቤተሰብ ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ካብ 2006 ዓ.ም. ክሳብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ግላስጐው ከተማ በርደን ተቛም ስኮቱስ ናይ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ኣበ ነፍስ ኰይኖም ከምዘገልገሉን ቀጺሎም እውን ሕንጸት ትምህርተ ክርስቶስ ንበጽሒ ውለዶ መደብ ኣመሓዳርን ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ፓይስለይ ሰበኻ ምኽትል ጳጳስ ኰይኖም ከምዘገልገሉ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.