2015-12-29 16:14:00

ሕጻናት ወትሃደራት በቶም እዋናውያን ሄሮዶሳት ንጹሓን ሰማዕታታ እያቶም


ኣክንዲ ናይ ሕንጸት መጽሓፍን ጥራዝን ኣብ ጐዳጉዲ ዕርድታት ኣክዲ ብርዒ ጠበናጁን ናይ ውግእ ኣጽዋርን ኣክንዲ ዓንጋሊ መግቢ ዘደንዝዙ እጽዋት ኣክንዲ ሕይወት ሞት ዝቐርበሎም ማእለያ ዘይብሎም ብዕድመ ዘይደፍኡ ሕጻናት ብናይ እዋንና ሄሮዶሳን እናተሃድኑ መጋበርያ ውግእን ዓመጽን ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ሕጻናት ድማ በቶም እዋናውያን ሄሮዶሳን ንሞት ዝዳረጉ ንጹሓን ሰምዕታት እያቶም። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብበዓለ ልደት ምኽንያት ብሔራውን ዓለም ለኻውን ቡራኬ እንክህቡ ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን እቶም ቤተ ክርስቲያን እትዝክሮም ነቲ ዝተወልደ ንጉስ ንምጥፋእ ኣሚቱ ሄሮዶስ ነቶም ኣብቲ እዋን ዝተወልዱ ሕጻናት ንሞት ዝዳረጎም ንጹሓን (ሕጻናት) ሰማዕታት ከምዝዘክሩን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 28 ታሕሳስ ዓመት በዓል ንጹሓን ሰማዕታት ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፣ ነዚ ኹሉ ኣማእኪሎም ናይቲ ኢንተርሶስ እተሰምየ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋን ናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ንዝዀኑ ሕፃናት ዜጋታት ዝኣልይ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማርኮ ሮተሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ዓለም ብዝሒ ንውትህድርና ዝዳረጉ ሕጻናት ክብ ይብል ምህልዋዉን ብግምት እስታት 250 ሺሕ ከምዝዀኑ ይንገር፣ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እስያን ማእከላይ ሃገራት ኣመሪካን ብሰፊሕ ዝርአይ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ።

ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ገበን ኩሉ በቢ ሓላፍነቱ ክዋግኦ ይግባእ

በቶም ዕጡቓት ሓይሊ ሕጻናት ኣብ ዓውደ ውግእ ከዋፍርዎም ንዝተፈላለዩ ኢሰብኣዊ ተግባራት መጋበርያ ንኽዀንዎምን ሕጻናት ደቀንስትዮ መጋበርያ ሩካቤ ስጋ ንኽዀና ከምዝጭወያን ብዙሓት ሕጻናት እውን ብመደበይና ሰራዊት ኣብ ዝፍለጡ ምክልኻል ሓይልታት እውን ከምዝርከቡ እዩ ዝንገር፣ ብፍላይ ድማ ኣብተን ውግእን ውጥረት ዘለወን ሃገራት ብሰፊሕ ዝረአይ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ። ኣእምሮኦም እናተሓጽበ መጋበርያ እከይን ሞትን ኰይኖም ኣብ ከቢድ ሰብኣውን ኣእምሮኣውን ጸገም ዝርከቡ እያቶም፣ ነዚ ኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ንኣኣቶም ካብቲ ዝወደቕሉ ሓድሽ ጊልያነት ናጻ ኣውጽኢካ ሰብኣውን መንፈሳውን ስነ ኣእመሮኣውን ሕዳሴን ብምቕራብ ከም ሕጻናት ኰይኖም ክዓብዩን ኣብ ሕብረተሰብ ክጽምበሩን ዝግበር ጻዕሪ ልዑል ሓይሊ ሰብን ሓይሊ ቁጠባን ይሓትት፣ ይኹን ደኣ እምበር ሓደ ሕጻን እውን ካብቲ ኩሉ ጸገም ምድሓን ክቡሪ እዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ፍቕዲ 1612 ነዚ ዓይነት ገበን ዝኹንን ጸረ ሰብኣዊ ተግብር እንክብል ድማ ይገልጾ፣ እዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ብናይ ግብረ ሰናይ መደባት ዝማልእ እዩ እንክብሉ የተሓሳስብ፣ ነቶም ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ዝዳጉኑ ገበነይናታት ንዓለም ሓቆፍ ፍርዲ ምቕራብ ዝብል እውን እዩ ናይ ኩለን ሃገራት መንግስታት ሓላፍነት ድማ እዩ። ስለዚህ እዚ ውሳኔ’ዚ ምሉእ ብምሉ ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም እውን ክኽበር እቲ ኢንተርሶስ ማሕበር ብዙሕ ጐስጓሳትን ዓውደ መጽናዕትታትን የሰናድው ጽሑፋት ይዝርግሕ ኣብዚ ጉዳይ ኣማእክሉ ዘሕተሞ ናይ መጽናዕቲ ሰነዳት እውን የቕርብ። ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ውትህድርና ዓለም ከይዳጐኑ ዝብል ውሳኔ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ክኽበር ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ ስልጣነ መምዘኒ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.