2015-12-24 15:37:00

ናይ ኢየሱስ በዓለ ልደትን ነቢይ መሓመድ ዝተወለደሉ ዕለትን


እቲ ብሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኽበር ማውሊድ ኣል ናቢ ማለት ናይ ነቢይ መሓመድ ልደትን ብሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ዕለት 25 ታሕሳስ ዝኽበር ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደትን ለምዘበን ድሕሪ 457 ዓመት ከምእተጋጠመን ኣብ 1558 ዓ.ም. ምስ ዕለት 24 ታሕሳስን ተጋጢሙ ብሓባር ከምእተፈጸመን ከምኡ ድማ ኣብ 1852 ምስ ዕለት 25 ታሕሳስ ከምእተጋጠመ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝጠቐሰ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ የመልክት።

ናይ ማሕበረ ክርስቲያንን ምስልምና ሰዓብቲ ሃይማኖት ናይ ሓባር ሓጎስ

እቲ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝሃቦ ዜና ኣብ መላእ ዓለም ከምእተቓልሔን፣ ናይ ኣልጀሪያን ሞሮኮን ዜና ማዕከናትን ቴሌቪዥንን ናይ ካልኦት ሃገራት ዜና ማዕከናት እውን ከምዘቃልሐኦን ዕለት 27 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. እስላም ደ ፍራንስ እተሰምየ ናይ ቴሌቭዥን መደብ ነዚ ጉዳይ ብፍሉይ ከቕርቦን ምሁራት ዘዛትይ መደብ ከምዝካየድ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ሓቢሩ፦ ኣብ ሜትዝን ኣንገርስን ሊለን ሰበኻታት ፈረንሳ ኣብ በልጂምን ከባቢ መግረባዊ ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ዘማእከለ ማሕበረ ክርስቲያንን ምስልምናን ናይ ሓባር ተበግሶታት ከምእተዳለወ ኣፍሊጡ።

ትእምርቲ እግዚኣብሔር ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ጽንኩር ኣዋን

ማሕበረ ክርስቲያንን ምስልምናን ኣብ በዓል ብሓባር ልባቶም ብሐሴት ተመሊኡ ዝነብርዎ ኩነት ብሓቂ ዓቢይ ትእምርቲ ምስጋና ንእግዚኣብሔር እዩ። ክርስትያንን እስላምን ከከም ሃይማኖቶምን ባህሎምን ክርስቲያን ልደት ዘእግዚእነ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ድማ ናይ ነቢይ መሓመድ ልደት ኣብ ዝተጋጥመ ዕለት ከብዕሉ እያቶም፣ ስለዚህ እዚ በዓል ናይ ክልቲአተን ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዘዛትይን ዘቀራርብን ዕለት እዩ። ንዚ እንነብረሉ ዘሎና ጽንኵር እዋን ንምትሕብባርን ምቅርራብን ሰላምን ዝዕድም ናይ እግዚኣብሔር ትእምርቲ ምዃኑ ሎሶርቫቶረ ሮማኒ የመልክት።

ነቲ ዝፈላልይ ከይጎሰና ነቲ ዘራኽብን ዘሕብርን ምብዓል

እቲ ዘራኽበናን ዘሕብረናን ነቲ ዝፈላልይ ከይጎሰና ብሓባር ነብዕል፣ ኢየሱስን መሓመድን ምምስሳል ዘይኰነስ እቲ ከክም እምነትናን ባህልናን እነብዕሎ በዓል ዝጽግዎ ሓሴት ብሓባር ምንባርን ምርኻብን ናይ ሰናይ በዓል መግለጺ መልእኽቲ ንምልውዋጥ ዝዕድም ዕድል እዩ። ሕውንትን ምሕዝነትን ኣብ ስድራ ቤትን ምስ ጎረቤትን እንነበርሉ እዋን ምዃኑ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ የተሓሳስብ።

ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ኣፍልጦ ምሃብን

ኣብ መንጐ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስቲያን ምእመናንን ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉን ኣብዚ በዓለ ልደት እነብዕለሉ እዋን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ነቲ ዝንበር ሃይማኖታዊ ባህልታት ምኽባርን ነቶም ጽልእን ዓመጽን ፍልልይን ዘተባብዑን መጥቃዕቲ ዝፍንዉ ብሓባር ነቲ በዓል ብምብዓልን ብሰላም ብሓባር ምንባር ዝከኣል ምዃኑ ብምምስካር ጸረ ሰብኣዊ ዓመጽ ንምቅዋም ንምዅናንን ዘተባብዕ ዓቢይ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዝገለጸ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ ኢየሱስ ንፍጥረት ሰብ ናይ ምሕረትን ጸጋን ትእምርቲ እዩ፣ ንሱ ናይ ሰላም ንጉስ እዩ፣ ሰላሙ ድማ ይሃበና ይብል።








All the contents on this site are copyrighted ©.