2015-12-24 15:34:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍካሬ ዘልደት


ቅዱስ ኣቦና ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ፣ እግዚኣብሔር ስጋና ለቢሱ ኣብ መንጐና ምሕዳርን ኣብ መብልዒ ማል ምውላድን ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ንወዲ ሰብ ብዝብል ሓሳብ ይገልጸዎ፣ ዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ከምኡ እውን 2014 ዓ.ም. ብበዓለ ልደት ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዝገለጽዎ ትርጉም ልደት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንወዲሰብን ምሕረት ኣብ ንዅሉ ፍጥረትን ናይ ሕጻነ ኢየሱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ሰብ ዝሓቶ ሓልዮት ዝብል ሥልጣናዊ ትምህርቶም ብዕምቆት ከምዘቕረቡ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

እታ ለይቲ ልክዕ ከም ዝሓለፉ ጸላም ለያቲ ናይ ዝተነብሩ ዕለት መዛዘምን ድኻምን ላዕልን ታሕትን ኩሉ ሰብኣዊ ኩነት ዝተነብሮን እቲ ጸላም ልሙድ ምሸት ካብ ሰማይ ብልጭታ ወርሒ ራእየ፣ ብሃንደበት ሰራዊተ ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ተጸንቢሮም ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጐ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እናበሉ ንኣማልኽ ዘመስግኑ ዝነበሩ ንጓሶት ናብቲ ኣብ መሕደሪ ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ ብድኽነት ኣብ መብልዒ ማል ናብ ዝተወልደ ኢየሱስ መርሕዎም።

ዓቢይ ብርሃን ንኣሕዛብ

ንዅሉ ህርመት ግዜን ሰዓትን ዘባዶወ ዝደምሰሰን ደው ዘበለን ካብ ወሰናስን ደጋዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን ስፍራ ሓድሽ ታሪኽ ዘጀምር ዓቢይ ብርሃን ነሕዛብ ተራእየ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ንበዓለ ልደት ገሊጾም፣ ቀዳሞት ናይ ኢየሱስ ምውላድ ዝተበሰሩ ጓሶት እያቶም፣ ቀዳሞት ካብ መንጐ ኣሕዛብ፣ ምስኦም ሓቢርና ኣብ ቅድሚ ሕጻን ኢየሱስ ብጽሞናን ብኣግሮምትን ደው ንበል ምስኦም ሓቢርና ጐይታ ኢየሱስ ስለ ዝዓደለና ሓልዮት ነመስግኖ ( ዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም.) ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የዘኻክሩ።

ትዕግስቲ እግዚኣብሔር

ሰላም ከኣ ኣብ ምድርን ኣብ መንጐ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝብል ቃል ነቶም ጓሶት ካብ መላእኽቲ ሰማይ ተሰምዔ፣ እዚ ብስራት’ዚ ንዅሉ ሰብ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ዝብል እዩ፣ ኣብዚ ስቓይን መከራን ዓመጽን ውግእን ጽልእን ናዕብን ኣብ ዝመልኦ ዓለም እግዚእብሔር እቲ ብኣርኣያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ንዝነብሮ ትጽቢት ምሉእ መልሲ ሃበ፣ ልደት ኢየሱስ ( ዕለት 24 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.)።

እግዚኣብሔር ይጽበየና፣ እግዚኣብሔር ድሕሪ ነውሒ ምጽባይ ኣብ ፍጥረት ሰብ ተስፋ ብምቑራጽ እቲ ዝወሰኖ ካብ ምፍጻም ምቦኸረ ኔሩ፣ እዚ ክገበር ግና ኣይደለየን፣ ገዛእ ርእሱ ክኽሕድ ስለ ዘይከኣሎ ድማ እዩ። ብትዕግስቲ ካብ ምጽባይና ኣይቦኸረን፣ እግዚኣብእሔር ኣባና ዘለዎ ትዕግስቲ ንምርዳኡ ክንደይ የጸግም (ዕለት 24 ታሕሳስ 2014) ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።

ብእግዚኣብሔር ክድለይ ምፍቃድ

እቲ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረ ሕዝቢ ብርሃን ረአየ። እቲ ሕጻን ኵሉ ይልውጥ፣ የዕይንቲ ምውላዱ መድሕን ረአያ፣ ነዚ ሓልዮት እግዚኣብሔር ከመይ ገይርና ኢና እንቕበሎ? ብኣኡ ክሕቆፍን ክብጻሕን እፈቅድ ዶ ወይ ከኣ ከይቐርበኒ መኸላእታ እፈጥር? እቲ ዘድሊ ምድላዩ ዘይኰነስ ብኣኡ ንኽትርከብ ምፍቃድ እዩ። ብፍቕሪ ክብጻሕን ብፍቕሩ ክሕብሐብን ምፍቃድ እዩ። ( ዕለት 24 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም.)።

ኣይትፍርሑ

ድሕሪ እታ ለይቲ ቤተልሔም ዝተዀለዔ መዓልቲ ብርሃን ረአየት፣ እቶም ንዅሉ መልሲ ክህቡ ዝፍትኑ፣ ወነንቲ መልስታት ዘይኰኑ ተራን ትሑታትን ዝዀኑ ጓሶት ኣአንገድዎ፣ ምስ ሰማየ ሰማያት ክትራኸብ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣይትርፍሑ ዝበለና ከምቲ እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ኣይትፍርሑ ዝበሎም፣ ሎሚ ኣነ ንዅላትኩም ኣይትፍርሑ እብል፣ ኣቦና ጐይታ ትዕግስቲ እዩ፣ የፍቅረና እዩ፣ ናብታ ናይ ተስፋ ምድሪ እንፍጽሞ ጉዕዞ ክድግፈናን ክመርሓናን ድማ ኢየሱስ ሃበና፣ ንሱ ምሕረት እዩ። ይምሕረና፣ ሰላምና እዩ ሰላሙ ድማ ኣህበና (ዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም.) ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ኣዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.