2015-12-24 15:45:00

ብፁዕ ካርዲናል ቦ፦ ኣብ ምያንማር በዓለ ልደት ንሰላምን ዕርቅን


እቲ ብመላኣኽቲ ዝተበሰረ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዝዓደሎ ሰላምን ሐሴትን ካብቲ እንነብረሉ ጸላም ወጺእና ናብ ብርሃን ከነቕንዕ ይመርሓና፣ እዚ ብርሃን’ዚ ብልብና ተቐብሊልና እቲ ካብቲ ብርሃን ዝምንጭው ሓጐስን ሰላምን ተመሊእና ንእናረኸቦ ኩሉ ከነካፍል ዝተጸዋዕናን ትርጉም ልደት ድማ ሰላም ኣብ ምድርን ነቶም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ምስ እግዚኣብሔር ዝሰምሩን ምዃኑ ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ብምኽንያት በዓለ ልደት ንምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምዘስመሩሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ምያንማር ኣብ ጉዕዞኣ ጮራ ለውጡ ተማዕድው

ዕለት 8 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ብዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ምያንማር ሓድሽ ናይ ለውጢ በርሃውታ ከምዝተበገሰን እዚ ብርሃን ወጋሕታ ከይቅህም ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ። ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ንመላእ ሕዝቢ ምያንማር ናይ ቡራኬን ተስፋን ናይ ሕውነትን ምቅርራብን ዓመት ከምዝኸውን ዘረጋገጹ ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣስዒቦም እቲ ዝሓለፈ ናይ ሰቓይን ጸልማትን ጽልእን እዋን ብሰላምን ምቅርራብን ዕርቅን ሕውነትን ምውጋድ ከምዝከኣልን ኩሉ ነቲ ዝተበገሰ ሃዋሁ ለውጢ ብዝተለወጠ መንፈስ ክቕበል ሓደራ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ምያንማር ሰላም ምሕናጽ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣብቲ ንማሕበረ ሰብ ክርስቲያንን ንመላእ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምልእኽቲ ኩሉ ብሓባር ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ምያንማር ሰላም ክሕነጽ ከከም ሓላፍነቱን ጸዋዕታኡን ግዴኡ ከበርክት ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዝተዓወቱ ኣካላት ብጥበብ ተመሪሖም ሕዝቦምን ሃገሮምን ብብቕዓትን ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ግቡእነትን ከገልግሉን ስልጣን መጋበርያ ሰላምን ማሕበራዊ ጥቕምን እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ሓይሊ ምክልኻል ናይ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዓቃቢ ክኸውን

ናይ ምያንማር ሓይሊ ምክልኻልን ኣባላት ጸጥታን ድሕነትን ኣብታ ሃገር ዝተበገሰ ዴሞክራሲያዊ ለውጡ ወሓስቲ ክዀኑ ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣብ መልእኽቶም ሓደራ ቢሎም ናይ ሃይማኖት መንፍሳዊ ላዕለዎት መራሕትን ኩለን ሃይማኖታትን ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ከተባብዓን ሃይማኖት ናይ ጽልእን ዓመጽን ናይ ውልቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓ መጋበርያ ከይከውን እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረብ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕረትን ብሔራዊ ዕርቅን መጋበሪያ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ብዘይ ቋንቋን ሃይማኖትን ባህልን ዓሌትን ኣድልዎ ንዅሉ ቀረባ ብምዃን ብፍላይ ድማ ነቶም ዝተነጸሉን ኣብ ወሰናስን ከተማን ህልውናን ዝነብሩ ድኻታትን ዝተረስዑን ቀረባ ብምዃን እተገልግል እያ ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣስዒቦም ኣብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ነታ ብዝተፈላለዩ ጸገማት ዝደመየት ሃገረ ምያንማር ኣብ ምድሓንን ምሕናጽ ክትጋህን፣ እቲ ዝተበጽሔ ዴሞክራሲያዊ ከይዲ ናይ ለውጥን ዕርቅን ቅዱስ በሪ ዝኸፍት ክኸውን ናይ ኩሉ ዜጋ ጽቡቕ ድላይን ሰናይ ግብርን ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ኤሺያን ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።    








All the contents on this site are copyrighted ©.