2015-12-23 15:20:00

መልእኽቲ ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ ብምኽንያት በዓለ ልደት


ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት በዓለ ልደት ከምቲ ልሙድ ሃገራዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ ዜጋታት’ታ ሃገር ብፍላይ ድማ መንግስቲ ናይ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን መጋበርያ ክዀኑ ጻውዒት ብምቕራብ እቶም ናይ ውግእ ኣጽዋርን ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ኢፍትሓውነትን ከም መጋበርያ ዝጥቀሙ ኣብቲ ዝውለድ ሕፃነ ኢየሱስ እውነተይና ትርጉም ሃብትን ናይ ሰብኣዊ  መሰልን ክብርን ምንቕቓሕን ሕብረተሰብ ዝሓንጹ ክቡራት ዋጋታት ከለልዩን እቶም ናይ ሕይወት ባህሊ ዘነቓቕሑ ድማ ብርታዔ ክረኽቡን ወንጌላዊ ሕይወት ከበስሩ ዘብቅዖም ሓይሊ ክረኽቡ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሕውነታዊ ርክብን ሓቀይና ይቕረ ምባልን

ክቡር በዓል ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓሴት ናብ ዝዓሰሎ ሓጎስን ናብ ሕውነታዊ ምርኻብን ለጋስነትን ናብ ቅኑዕ ይቕረ ምብህሃልን ሰላምን ዘሰንይ ክኸውን ከምዝግብኦ ዘተሓሳሰቡ ናይ ኰሎምቢያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብቲ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ኣስዒቦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ በዓለ ልደት ኣብ ናይ ኣባይትና ተረጋግኦ ምብዓል ንበይኑ እዅል ኣይኰነን ስለዚህ ብርቱዕ ተምሳጥ ዝዓሰሎ ምክፋል ኣብ ናይ ካልኦት ስቓይን ሓዘንን ኣብቲ ዓመጽን ቀቢጸ ተስፋነት ዝንበሮ ስፍራ ኩሉ እቲ ናይ ሓጐስ ምኽንያት ዝዀነ ብቓልን ተግባርን ብምምስካር እቲ ሓቀይና ልደት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባር ይግባእ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ኣብ ጭቡጥ ሕይወት

በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ዝንበርን ዝበዓልን ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዕለታዊ መነባብሮና ዝንበርን ቀጻልነት ዘለዎ ክኸውንን በዚ መገዲ’ዚ እንነብሮ ናይ እምነት ሓሴትን ምሕረtን ይቕረ ምብህሃልን ሰላምን ብምክፋል ክንነብሮ ይግባእ። በዚ መገዲ’ዚ ኣብ ናይ ካልኦት ስቓይ ተኻፈልቲ ብምዃን ነቲ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ሓርነት ከበስርን ሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ከልብስ ዝመጸ ወልደ እግዚኣብሔር ክንምስክር ይግባእ ከምዘብሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ልደት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ካብቲ መድመቒ በዓል ዝዅላዕ ስልማት እዚዩ ዓቢይ እዩ

ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ጎዳናታትን ኣባይቲ ስድራን ማሕበራዊ ቦታታት ዝግበር ናይ በድመቒ በዓል ስልማት ኣዚዩ ዝለዓለን ኣብ ደጋዊ ስልማት ዘይድረት ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ኰሎምቢያ ኣብሪሆም፣ ስለዚህ ዜጋታት ሓቀይና በዓለ ልደት ከብዕሉን እቲ ናይ ጐይታ ጸጋ መድሕንን እምነትን ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እቲ እምነት ንጐይታ ሕራይ ምባልን መላእ ህላዌ ሕይወት እምነት ክንገብርን ክንምስክርን ዘብቕዕ እዩ እንክብሉ ርሑስ በዓለ ልደት ተመንዮም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.